bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 15
Revelation 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ኻልእ ዓቢይን ዘገርም ምልክትን፥ ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ስለ ዝፍፀም፥ ነቶም ዳሕረዎት ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ ተርኣዩ።
2
ድሕሪዙይ ብርለ ዝመስል ባሕሪ ረአኹ፤ ንሱውን ምስ ሓዊ ዝተሓዋወሰ እዩ። እቶም፥ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን፥ ነቲ መፀውዒኡ ዝኾነ ቝፅርን ዝሰዓሩ፥ ናይ እግዚኣብሄር በገናታት ሒዞም፥ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መስትያት፥ ደው ኢሎም ረአኹ።
3
መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ። ኦ፥ ንጉስ ኣህዛብ፥ መንገድኻ ፅድቅን ሓቅን እዩ።
4
ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”
5
ድሕሪዙይ ድማ ረአኹ፥ እንሆ እታ ድንኳን ምስክር ዝኾነት ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት።
6
እቶም ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ወፁ። ንሳቶም ካብ ሃሪ ዝተሰርሐ፥ ዘንፀባርቕ ፅሩይ ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ልቦምውን፥ ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም ነበሩ።
7
ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ዝተመልአ፥ ሸውዓተ ፅዋዕ ወርቂ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሃቦም።
8
እታ መቕደስ ድማ፥ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ግርማን ሓይልን ዝተልዓለ፥ ብትኪ መልአት። ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ሸውዓቲአን መቕሰፍትታት ክሳዕ ዝውድኣ ኸዓ፥ ሓደኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።
← Chapter 14
Chapter 16 →