bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 12
Revelation 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዓብዪ ምልክት ድማ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ ፀሓይ ዝተወንዘፈት፥ ወርሒ እውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ዘለዋ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኸዋኽብቲ ዘለዎ ኣክሊል ድማ፥ ኣብ ርእሳ ዝደፍአት፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተርኣየት።
2
ንሳ ጥንስቲ ነበረት፤ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝሓዛ ድማ፥ ክትወልድ ትፀዓር ነበረት።
3
ካልእ ምልክት ከዓ፥ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ እንሆ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብቲ ኣራእሱውን ሸውዓተ ዘውዲ ዝደፍአ፥ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርኣየ።
4
ብጭራኡ ድማ፥ ሲሶ ኸዋኽብቲ፥ ካብ ሰማይ ስሒቡ፥ ናብ ምድሪ ደርበየ። እቲ ገበል፥ ሽዑ ምስ ወለደት፥ ነቲ ህፃን ምእንቲ ኽውሕጦ ኢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።
5
ንሳ፥ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም ዘለዎ ወዲ ወለደት። እቲ ወዳ፥ ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ዙፋኑን፥ ብቕፅበት ተወሰደ።
6
እታ ሰበይቲ ድማ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ፥ ክንክን ናብ ዝግበረላ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዘዳለወላ ቦታ፥ ናብ ምድረ በዳ ሃደመት።
7
ኣብ ሰማይ ከዓ ውግእ ኾነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን፥ ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።
8
እንተ ኾነ፥ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተስዓሩ፤ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኣቶምውን ሰኣኑ።
9
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
10
ኣብ ሰማይ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “ሕዚ ምድሓንን ሓይልን መንግስትን፥ ናይ ኣምላኽና ኾይኑ እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ንመሲሑ ኾይኑ እዩ። እቲ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ፥ ከሳሲ ኣሕዋትና፥ ተደርቢዩ እዩ እሞ።
11
ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።
12
ስለዙይ፥ ኣቱም ሰማያትን፥ ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ፤ ምድርን ባሕርን ግና፥ ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!”
13
ሽዑ እቲ ገበል፥ ናብ ምድሪ ኸም ዝተደርበየ ምስ ረአየ፥ ነታ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ ኣሳጐጓ።
14
ነታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ካብ ገፅ እቲ ገበል ርሒቓ፥ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፥ ኣብኡ ንኽትሕሎ፥ ክንክን ናብ እትረኽበሉ ስፍራ ምእንቲ ኽትነፍር፥ ከም ናይ ዓብዪ ንስሪ፥ ክልተ ኣኽናፍ ተውሃባ።
15
እቲ ገበል ድማ፥ ኣጋፊዑ ምእንቲ ኽወስዳ፥ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ፥ ውሕጅ ዝመስል ማይ ካብ ኣፉ ኣፍሰሰ።
16
ምድሪ ግና፥ ነታ ሰበይቲ ረድአታ፤ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፥ ነቲ ገበል ብኣፉ ዘፍሰሶ ውሕጅ፥ ፀም ኣቢላ ሰተየቶ።
17
እቲ ገበል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ተቘጥዐ፤ ምስቶም ዝተረፉ ዘርኣ ድማ፥ ክዋጋእ ኸደ፤ ንሳቶም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝሕልዉን፥ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ኣጥቢቖም ዝሓዙን እዮም።
18
እቲ ገበል ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ወሰን ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ደው በለ።
← Chapter 11
Chapter 13 →