bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 11
Revelation 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ዘንጊ ዝመስል መዐቀኒ ተውሃበኒ እሞ “ተስእ፤ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ መሰውእን ዓቅኖ፤ ነቶም ኣብኡ ዝሰግዱ ዘለዉውን ቍፀሮም።
2
እቲ ብወፃኢ መቕደስ ዘሎ ቕፅሪ ግና፥ ንኣህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ ሕደጎ ኣይትዓቅኖ፤ ኣህዛብ ከዓ፥ ነታ ቕድስቲ ኸተማ፥ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግፅዋ እዮም።
3
ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።
4
እዚኣቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዝቖሙ፥ ክልተ ኣዋሊዕን ክልተ ቐናዲልን እዮም።
5
ሓደኳ ኽጐድኦም እንተ ደለየ፥ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወፅእ እሞ፥ ንፀላእቶም የቃፅሎም። እቲ ኽጐድኦም ዝደሊ፥ ብኸምዙይ ክቕተል እዩ።
6
እዚኣቶም፥ በተን ዝንበዩለን መዓልቲታት፥ ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም፥ ንሰማይ ክዓፅውዎ ስልጣን ኣለዎም። ንማያት ናብ ደም ክልውጥዎ፥ ንምድሪ ኸዓ፥ ብዝደለይዎ ዓይነት ክቐስፍዋ፥ ስልጣን ኣለዎም።
7
ምስክርነቶም ምስ ፈፀሙ ድማ፥ እቲ ኻብ መዓሙቕ ዝወፅእ ኣራዊት፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።
8
ንሬሳኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም ዝተሰቕለላ ዓባይ ከተማ፥ ከንብሮ እዩ። ንሳ ብመንፈሳዊ ምሳሌ፥ ሰዶም ወይ ግብፂ እትብሃል እያ።
9
ካብ ዝተፈላለዩ ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ዝተኣከቡ ሰባት፥ ነቲ ሬሳኣቶም፥ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ክሪእዎ እዮም። ሬሳኣቶም ከይቕበርውን፥ ክኽልክሉ እዮም።
10
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ በዞም ክልተ ነቢያት እዚኣቶም፥ ይሳቐዩ ስለ ዝነበሩ፥ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ብሞት እዞም ክልተ ነቢያት ኽሕጐሱ፥ ባህውን ክብሎም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ፥ ውህብቶ ኽወሃሃቡ እዮም።
11
ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ፥ ናይ ህይወት እስትንፋስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብኣቶም ኣተወ። በእጋሮምውን ቆሙ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝረአይዎም ከዓ፥ ብርቱዕ ፍርሓት ሓደረ።
12
ሓደ ዓብዪ ድምፂ ድማ፥ ካብ ሰማይ፥ “ናብዙይ ደይቡ” ኽብሎም እንተሎ ሰምዑ። እቶም ፀላእቶም እናረአይዎም ከዓ፥ ብደመና ናብ ሰማይ ዓረጉ።
13
በታ ሰዓት እቲኣ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ፥ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ።
14
እቲ ኻልኣይ መከራ ሓሊፉ፤ እንሆ እቲ፥ ሳልሳይ መከራ፥ ቀልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
15
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።
16
እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙፋናቶም ተቐሚጦም ዝነበሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ከዓ፥ ከምዙይ እናበሉ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ፦
17
“ኦ፥ ዘለኻን ዝነበርካን፥ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ፥ ስለ ዝወሰድካዮን፥ ስለ ዝነገስካን፥ ነመስግነካ ኣለና።
18
ኣህዛብ ተቘጥዑ፥ ቍጥዓኻውን መፀ፤ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፥ ነቶም ባሮትካ ዝኾኑ ነቢያትን፥ ነቶም ንስምካ ዘኽብሩ ቕዱሳንን፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ዓስቦም እትህበሉ፥ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን፥ እተጥፍአሉ ዘመን በፂሑ እዩ” በሉ።
19
እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።
← Chapter 10
Chapter 12 →