bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 13
Revelation 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓደ ኣራዊት፥ ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ዓሰርተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሰርተ ዘውዲ፥ ኣብ ኣራእሱውን ስማት ፀርፊ ነበሮ።
2
እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ።
3
ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን፥ ንሞት ከም ዝተሓረደ ኾይኑ ረአኽዎ፤ እቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ቍስሉ ግና ሓወየ። ምድሪ ብምልእታ ድማ፥ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት።
4
ንሳቶም ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ፥ ነቲ ገበል ሰገዱሉ። ነቲ ኣራዊትውን፥ “ነዝ ኣራዊት እዙይ፥ መን ይመስሎ? መንከ ኽዋግኦ ይኽእል?” እናበሉ ሰገዱሉ።
5
ዓበይቲ ነገራትን፥ ዝፀርፍ ቃላትን፥ ዝዛረብ ኣፍ ተውሃቦ። ነርብዓን ክልተን ኣዋርሕ፥ ግብሩ ኽገብርውን ስልጣን ተውሃቦ።
6
ንእግዚኣብሄር ክፀርፍ፥ ንስሙን ንማሕደሩን፥ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩውን፥ ክፀርፎም ኣፉ ኸፈተ።
7
ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።
8
እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
9
“ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፤
10
‘እቲ ኽማረኽ ዘለዎ፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ፤ እቲ ብሰይፊ ኽቕተል ዘለዎ፥ ብሰይፊ ኽቕተል እዩ።’ እቲ ናይቶም ቅዱሳን ትዕግስትን እምነትን ዝረአ ኸዓ፥ ኣብዙይ እዩ።”
11
ካልእ ኣራዊትውን፥ ካብ ምድሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ከም ናይ በጊዕ ዝመስል፥ ክልተ ቐርኒ ድማ ነበሮ። ከም ገበልውን ይዛረብ ነበረ።
12
ብስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ይሰርሕ። ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከዓ፥ ነቲ ናብ ሞት እተብፅሕ ቍስሉ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ከም ዝሰግዱሉ ገበረ።
13
እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ፥ ሓዊ ኽሳዕ ዘውርድ፥ ዓበይቲ ምልክታት ገበረ።
14
ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ “ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ፥ ዝቘሰለ እሞ ዝሓወየ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምስሊ ግበሩሉ” እናበለ፥ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ክገብሮ ዝተውሃቦ ምልክታት፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ የስሕቶም ነበረ።
15
ምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምእንቲ ኽዛረብን፥ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዅላቶም፥ ምእንቲ ኸቕትሎምን ከዓ፥ እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ንምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ እስትንፋስ ክህቦ ተፈቕደሉ።
16
እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኵላቶም እቶም ኣናእሽቱን ዓበይትን፥ ሃብታማትን ድኻታትን፥ ጐይቶትን ኣገልገልትን፥ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይ ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም ከም ዝግበረሎም ገበረ።
17
ናይቲ ኣራዊት፥ ስም ማሕተም ወይ ናይ ስሙ ቝፅሪ ዘይብሉ፥ ሓደኳ ኽዕድግን ክሸይጥን፥ ከም ዘይኽእል ይገብር ነበረ።
18
እምበኣርከስ፥ ጥበብ ኣብዙይ እዩ ዘሎ፤ ቍፅሪ እቲ ኣራዊት ቍፅሪ ሰብ እዩ እሞ፥ ኣእምሮ ዘለዎ ይፀብፅቦ። እቲ ቝፅሩ ኸዓ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን እዩ።
← Chapter 12
Chapter 14 →