bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 95
Psalms 95
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንዑ፥ ብእግዚኣብሄር ደስ ይበለና፤ ንኣምላኽናን፥ ንመድሓኒናን ዕልል ንበል።
2
ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብፃሕ፤ ብመዝሙር ንእኡ ዕልል ንበል።
3
እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ እዩ እሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
4
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይድርብዮምን፤ ወሰናት ምድሪ ኸዓ ኣብ ውሽጢ ኢዱ እዮም፤ ነዋሕቲ እምባታትውን ናቱ እዮም።
5
ባሕሪ ናቱ እያ፤ ንሱውን ፈጠራ፤ ንንቑፅ ምድሪ እውን ኣእዳዉ ሰርሖ።
6
ንዑ፥ ንስገድ፤ ንእኡውን ንገዛእ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈጣሪና ንምበርከኽ።
7
ንሱ ኣምላኽና እዩ እሞ፤ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሰኡ፥ ናይ ኣእዳዉ ኣባጊዕ ኢናሞ።
8
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን፥ ዘቘጥዕዎን፥ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
9
ዝተፈታተኑኒ ኣቦታትኩም፥ ፈተኑኒ፤ ስራሐይውን ረአዩ።
10
ነታ ትውልዲ እቲኣ ኣርብዓ ዓመት ተቘጢዐያ ነይረ፤ “ኵልሻዕ ልባቶም ይስሕት፤ ንሳቶም መንገደይ ኣይፈለጡን” በልኩ።
11
ስለዙይ “ናብ ዕረፍተይ ከይኣትዉ፥ ብቝጥዓይ መሓልኩ።”
← Chapter 94
Chapter 96 →