bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 96
Psalms 96
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ ኵልኻትኩም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ።
2
ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፥ ንስሙውን ባርኹ፤ መዓልቲ መዓልቲ እውን ምድሓኑ ተናገሩ።
3
ክብሩ ንኣህዛብ፥ ተኣምራቱውን ንዅሎም ወገናት ንገሩ።
4
እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ድማ ዝፍራሕ እዩ።
5
ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ፥ ኣጋንንቲ እዮም፤ እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ።
6
ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚኡ፥ ቅድስናን ግርማን ኣብ ውሽጢ መቕደሱ እዮም።
7
ወገናት ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ።
8
ንስሙ ዝግባእ ክብሪ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ፤ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ ኣደባባያቱ እተዉ።
9
ኣብ ዓፀድ ቅድስናኡ፥ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ትንቀጥቀጥ።
10
ኣብ ማእኸል ኣህዛብ “እግዚኣብሄር ነገሰ” በሉ፤ ከይትናወፅ ንዓለም ንሱ ኣፅንዓ፤ ንኣህዛብ ከዓ ብቕንዕና ይፈርድ።
11
ሰማያት ይተሓጐሱ፤ ምድሪ እውን ደስ ይበላ፤ ባሕርን ምልኣታን ትናወፅ።
12
በረኻን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን ደስ ይበሎም፤ ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ።
13
ክመፅእ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።
← Chapter 95
Chapter 97 →