bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 94
Psalms 94
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር፥ ናይ በቐል ኣምላኽ እዩ፤ ናይ በቐል ኣምላኽ ተገለፀ።
2
ኣታ ፈራዲ ምድሪ፥ ልዕል ልዕል በል፤ ንዕቡያት ፍዳኦም ፍደዮም።
3
ኦ ጐይታ፥ ሓጢኣተኛታት ክሳዕ መኣዝ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም ሓጢኣተኛታት ዝዕበዩ?
4
ይከራኸሩ፥ ዓመፅውን ይዛረቡ፤ ኵሎም ገበርቲ ዓመፅ ይዘሃሩ ኣለዉ።
5
ኦ ጐይታ፥ ንህዝብኻ ኣዋረዱ፤ ንርስትኻውን ኣጨነቑ።
6
ንመበለትን ንደኽታምን ቀተሉ፤ ንስደተኛውን ቀተሉ።
7
“እግዚኣብሄር ኣይርእን፤ ኣምላኽ ያእቆብውን ኣየስተብህልን እዩ” በሉ።
8
ኣቱም ደናቝር ህዝቢ ኣስተውዕሉ፤ ሰነፋትከ መኣዝ ይልብሙ?
9
እቲ እዝኒ ዝተኸለ ኣይሰምዕንዶ? እቲ ዓይኒ ዝፈጠረኸ ኣይርእንዶ?
10
እቲ ንኣህዛብ ዝግስፅ፥ ንሰብ ጥበብ ዝምህርከ ንሱ ኣይግስፅንዶ?
11
እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።
12
ንሓጢኣተኛ ጕድጓድ ክሳዕ ዝኰዓት፥ ካብ ክፉኣት ዘመናት ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ዝገሰፅካዮ ሕግኻውን ዝመሃርካዮ ምስጉን እዩ።
14
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይድርብዮምን፤ ንርስቱውን ኣይሓድጎምን።
15
ፍርዲ ናብ ፅድቂ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ክኽተልዎ እዮም።
16
ምእንቲ ኽፉኣት ዝከራኸረኒ መን እዩ? ምእንቲ ዓመፀኛታትከ ዝቃወመኒ መን እዩ?
17
እግዚኣብሄር እንተ ዘይረድአንስ፥ ነፍሰይ ንቑሩብ ጊዜ ኣብ ሲኦል ምሓደረት ነይራ።
18
እግረይ ኣንደልሃፀ ምስ በልኩ፥ ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ረድአኒ።
19
ኦ ጐይታ፥ ንልበይ ከም ብዝሒ መከራኣ፥ ምፅንናዕኻ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።
20
ኣብ ልዕሊ ሕግኻ ዓመፅ ዝገብር፥ ዙፋን ዓመፅዶ ምሳኻ ኽሓብር ይኽእል እዩ?
21
ንነፍሲ ፃድቕ የድብዩላ፤ ብንፁህ ደምውን ይፈርዱ።
22
እግዚኣብሄር ግና መፀግዒ ኾነኒ፤ ኣምላኸይ ድማ፥ ናይ ተስፋይ ረዳኢ እዩ።
23
ከም በደሎምን ከም ክፍኣቶምን ፍዳኦም ክኸፍሎም እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ፈፂሙ ኸጥፍኦም እዩ።
← Chapter 93
Chapter 95 →