bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 9
Psalms 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤ ኵሉ ዝገበርካዮ ተኣምራትውን ክነግር እየ።
2
ብኣኻ ደስ ይብለንን እሕጐስን እየ፤ ኦ ልዑል፥ ንስምካ ኽዝምር እየ።
3
ፀላእተይ ንድሕሪት ምስተመለሱ፥ ሰንከልከል ኢሎም ካብ ቅድሜኻ ኽጠፍኡ እዮም።
4
ፍርደይን በቐለይን ጌርካለይ ኢኻሞ፥ ሓቂ እናፈረድካ ኣብ ዙፋንካ ተቐመጥካ።
5
ንኣህዛብ ገሰፅካዮም፤ ንኽፉኣት ከዓ ኣጥፋእኻዮም፤ ስሞም ከዓ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ።
6
ፀላእቲ ብዂናት ንሓዋሩ ጠፍኡ፤ ከተማታቶም ኣፍረስካ፤ መዘከርታኦምውን ብሓባር ጠፍአ።
7
እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤ ዙፋኑውን ንፍርዲ ኣዳለወ።
8
ንሱ ንዓለም ብፅድቂ ይፈርዳ፤ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ይዳንዮም።
9
እግዚኣብሄር ንድኻታት መፀግዒ ኾኖም፤ ብጊዜ መከራኦምውን ረዳኢኦም እዩ።
10
ኦ ጐይታ፥ ኵሎም እቶም ስምካ ዝፈልጡ ብኣኻ ይተኣመኑ፤ ነቶም ዝደልዩኻውን ኣይትሓድጎምን ኢኻሞ።
11
ነቲ ኣብ ፅዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ድማ ግብርታቱ ንገሩ።
12
እቲ ደሞም ዝመራመር ንሱ ሓሲቡ እዩሞ፤ ኣውያት ነዳያንውን ኣይረስዐን እዩሞ።
13
ኦ ጐይታ፥ ራህርሀለይ፤ ነቲ ፀላእተይ ዘምፅኡለይ ዘለዉ መከራውን ተመልከት፤ ካብ በርታት ሞት ልዕል ልዕል እተብለኒ፥
14
ኵሉ ምስጋናኡውን ኣብ በርታት ጓል ፅዮን ምእንቲ ኽናገር፤ ብምድሓንካውን እሕጐስ።
15
ኣህዛብ ናብታ ዝዀዓትዋ ጕድጓድ ወደቑ፤ በቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ከዓ እግሮም ተትሓዘ።
16
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ብምፍራድ ዝተፈለጠ እዩ፤ ሓጥእ ብግብሪ ኣእዳዉ ተትሓዘ።
17
ሓጥኣን ናብ ሲኦል ክምለሱ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ዝረስዕዎ ዅሎም ኣህዛብውን።
18
ድኻ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩሞ፤ ተስፋ ፅጉማትውን ንዘለኣለም ኣይጠፍእን።
19
ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ ሰብ ኣይበርትዕ፤ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዶም።
20
ኦ ጐይታ፥ ፍርሓት ኣሕድረሎም፤ ኣህዛብውን ሰብ ምዃኖም ይፍለጡ።
← Chapter 8
Chapter 10 →