bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 8
Psalms 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታና! ስምካ ኣብ ኵሉ ምድሪ የመና ተመስገነ፤ ምስጋናኻ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ።
2
ብኣፍ ቈልዑን ህፃናትን፥ ምስጋና ኣዳለኻ፤ ምእንቲ ፀላእትኻ፤ ንፀላእን ንተበቃልን ምእንቲ ኽተጥፍእ እዩ።
3
ስራሕ ኣፃብዕትኻ ንዝኾኑ ሰማያትን፥ ነቶም ዝፈጠርካዮም ወርሕን ከዋኽብትን ምስ ረአኹ፥
4
ንስኻ ኽትሓስቦስ፥ ሰብ እንታይ እዩ? ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?
5
ካብ መላእኽቲ ቑሩብ ኣንኣስካዮ፤ ብኽብርን ብምስጋናን ኣኽሊል ከዓ ኸለልካዮ፤
6
ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውካ ሸምካዮ፤ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዛእኻሉ።
7
ንዅላተን ኣባጊዕን ከፍትን፥ ከምኡውን ንእንስሳታት በረኻን፥
8
ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ መንገዲ ባሕሪ ዝኸይድን ኣግዛእኻሉ።
9
ኦ እግዚኣብሄር ጐይታና፥ ስምካ ኣብ ኵላ ምድሪ የመና ተመስገነ።
← Chapter 7
Chapter 9 →