bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 10
Psalms 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ንምንታይ ርሒቕካ ቆምካ? ብጊዜ መከራኸ ስለ ምንታይ እትኽወል?
2
ብትዕቢት ሓጥእ፥ ድኻ ይናደድ፤ ብዝሓሰብዎ ተንኰል ተትሓዙ።
3
ሓጥእ ብትምኒት ነፍሱ ይውደስ፤ ንዓማፂውን ይባርኽ።
4
ሓጢኣተኛ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ፤ ከም ብዝሒ ቝጥዓኡውን ኣይመራመሮን፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ እግዚኣብሄር የለን።
5
ኵሉ መንገዱ ዝረኸሰ እዩ፤ ፍርድኻ ኣብ ቅድሚኡ ዝፈረሰ እዩ፤ ንዅሎም ፀላእቱውን ይገዝኦም።
6
ብልቡ “ከቶ ኣይናወፅን፤ ንውሉድ ወለዶውን ክፉእ ኣይረኽበንን” ይብል።
7
ኣፉ መርገምን ጥበራን ተንኰልን ዝመልአ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ጕድኣትን መከራን እዩ።
8
ኣብ ናይ ዓድታት መድበዪ ተሓቢኡ ይፀናቶ፤ ንንፁህ ብሕቡእ ምእንቲ ኽቐትል፤ ኣዒንቱውን ኣብ ልዕሊ ምስኪን የነፃፅራ።
9
ከም ኣንበሳ ኣብ ፅዑቕ ዱር ብስዉር የድቢ፤ ንድኻውን ክነጥቆ ይፃናቶ፤ ንድኻውን ይነጥቆ፤ ብመፃወድያኡውን ይስሕቦ።
10
ድኻ ይዋረድ፥ ይጐብጥ፤ ኣብ እቲ ኢድ ሓያልውን ይወድቕ።
11
ንሱ ብልቡ “እግዚኣብሄር ረሲዑኒ እዩ፤ ፈፂሙ ከይርኢውን ገፁ ሰወረ” ይብል።
12
ኦ ኣምላኸይ፥ ተስእ፤ ኢድካውን ልዕል ልዕል ትበል፤ ንነዳያንውን ኣይትረስዓዮም።
13
ሓጢኣተኛ ስለ ምንታይ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ? ብልቡ “ኣይመራመረንን” ይብል እዩሞ።
14
ረአኻዮ፤ ንስኻ ክፍኣትን ቍጥዓን ትርኢ ኢኻሞ፥ ብኢድካ ዋጋ ንምኽፋልውን ትምልከት፤ ረዳኢ ደኽታም ኢኻሞ፥ ምስኪን፥ ንባዕሉ ኣባኻ የማዕቝብ።
15
ቅልፅም ሓጢኣተኛን ክፉእን ስበር፤ ከምቲ ዝገበሮውን ናይ ኢዱ ሃቦ፤ ደጊሙ ኸም ዘይብድልውን ግበሮ።
16
እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ክነግስ እዩ፤ ኣህዛብ ድማ ኻብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም።
17
እግዚኣብሄር፥ ትምኒት ነዳያን ሰምዐ፤ እዝኑውን ሓሳብ ልቦም ሰምዐት።
18
ፍርዱ ንድኻን ንደኽታምን እዩ፤ ደጊም ሰባት ኣብ ምድሪ ኣፎም ልዕል ልዕል ምባል ከይደግሙ።
← Chapter 9
Chapter 11 →