bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 83
Psalms 83
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ከማኻ መን እዩ? ኦ ኣምላኽ፥ ስቕ ኣይትበል፤ ሸለልውን ኣይትበል።
2
እንሆ፥ ፀላእትኻ ኣውክዑ፤ እቶም ዝፀልኡኻውን ርእሶም ኣልዓሉ።
3
ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፤ ኣብ ልዕሊ ቕዱሳንካውን ተማኸሩ።
4
“ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርስ፥ ንዑ፥ ካብ ኣህዛብ ነጥፍኣዮም” በሉ።
5
ሓቢሮም ኣብ ልዕሌኻ ተማኸሩ፤ ኣብ ልዕሌኻውን ኣሻረዉ፤ ቃል ኪዳን ተኣታተዉ።
6
ድንኳናት ኤዶማውያንን እስማኤላውያንን፥ ሞኣባውያንን ኣጋራውያንን፥
7
ሰብ ጌባልን ኣሞናውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ፍልስጥኤማውያንን ሰብ ጢሮስን እዮም።
8
ኣሶር ድማ ምስኣቶም ተሓባበረ፤ ምስ ኤዶማውያንን ሞኣባውያንን ስለ ዝሓበረ፥ ንደቂ ሎጥውን ሓገዝቲ ኾንዎም።
9
ከምቲ ንምድያማውያንን፥ ንሲሳራን ኢያቢስን፥ ኣብ ሩባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።
10
ንሳቶም ኣብ እንዶር ጠፍኡ፤ ከም ጐሓፍ ምድሪ እውን ኮኑ።
11
ነሕሉቖምውን ከም ሔሬብን ከም ዜብን፥ ንዓበይቶምውን ከም ዛብሔልን ስልማናን ግበሮም።
13
ኦ ኣምላኸይ፥ ከም በነንታ፥ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዘሎ ሓሰር፥ ግበሮም።
14
ከምቲ ሓዊ ንዱር ዘባርዖ፥ ሃልሃልታውን ንእምባታት ዘቃፅሎ፥
15
ከምኡ ብቝጥዓኻ ኣሳጕጎም፤ ብመቕሰፍትኻውን ኣደንግፆም።
16
ስምካ ምእንቲ ኽፈልጡስ ንገፆም ብውርደት ሸፍኖ።
17
ንዘለኣለም ይነወሩን ይሸበሩን፤ ይሕፈሩን ይጥፍኡን።
18
ስምካ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ እውን ንስኻ በይንኻ ልዑል ከም ዝኾንካ ይፍለጡ።
← Chapter 82
Chapter 84 →