bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 82
Psalms 82
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ቖመ፤ ኣብ ማእኸል ኣማልኽቲውን ይፈርድ።
2
ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብዓመፅ እትፈርዱ? ንገፅ ሓጥኣን ርኢኹም ከዓ እተዳልዉ?
3
ንድኻታትን ንደኽታማትን ፍረዱሎም፤ ንጥቑዕን ንምስኪንን ከዓ ፍትሒ ኣውፅኡሎም።
4
ንድኻን ንምስኪንን ኣናግፉ፤ ካብ ኣእዳው ሓጥኣንውን ኣናግፍዎም።
5
ኣይፈልጡን፤ ኣየስተውዕሉን፤ ኣብ ውሽጢ ፀልማት ይመላለሱ፤ ኵሉ መሰረት ምድሪ ተናወፀ።
6
ኣነስ፥ “ኣማልኽቲ ኢኹም፤ ኵልኻትኩምውን ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም” በልኩ፤
7
“ግና ኸም ሰብ ክትሞቱ፥ ከም ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕውን ክትወድቁ ኢኹም” በልኩ።
8
ኦ ኣምላኽ፥ ተስእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እውን ፍረድ፤ ንስኻ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስ ኢኻ።
← Chapter 81
Chapter 83 →