bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 84
Psalms 84
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ ሰራዊት፥ መሕደሪታትካ ከመይ ዝተፈተዉ እዮም!
2
ነፍሰይ ንዓፀድ እግዚኣብሄር ትፈቱን ሃረር ትብልን ኣላ፤ ልበይን ስጋይን ብህያው እግዚኣብሄር ተሓጐሰ።
3
ዒፍ እኳ ንባዕላ ቤት ረኸበት፤ ለዃዂቶውን ጨቓዊታ እተንብረሉ መንበሪ ረኸበት፤ ኦ ጐይታ ሰራዊት፥ ንጉሰይን ኣምላኸይን፥ ንሱ መሰውኢካ እዩ።
4
ኵሎም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ብፁኣን እዮም፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን የመስግኑኻ።
5
ኦ ጐይታ ሓገዙ ኻባኻ ዝኾነ፥ ብልቡውን ላዕለዋይ መንገዲ ዝሓስብ ብፁእ እዩ።
6
ብውሽጢ ለሰ ብኽያት፥ ኣብ ዝወሰንካዮ ስፍራ፥ መምህር ሕጊ በረኸት ይህብ።
7
ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊውን ይኸዱ፤ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣብ ፅዮን ይረአ።
8
ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፥ ፅን በል።
9
ኦ ጐይታ ምትእምማንና ረአየልና፤ ናብ ገፅ እቲ ዝቐባእኻዮውን ተመልከት።
10
ካብ ኣእላፍ፥ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣደባባያትካ ትሐይሽ፤ ስለዙይ ኣብ ኣባይቲ ሓጥኣን ካብ ምንባርስ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክድርበ መረፅኩ።
11
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።
12
ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብኣኻ ዝተኣመነ ብፁእ እዩ።
← Chapter 83
Chapter 85 →