bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 81
Psalms 81
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዝረድአና ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልኩም፤ ንኣምላኽ ያእቆብውን ዕልል በሉ።
2
መዝሙር ኣልዕሉ፤ ከበሮ ውቕዑ፤ ዘሐጕስ በገና ምስ መሰንቆ፥
3
ብሰርቂ ወርሒ፥ በታ ዓባይ ፍልጥቲ በዓልና፥ መለኸት ንፍሑ።
4
እዙይ ንእስራኤል ስርዓት እዩ፤ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ፍርዲውን እዩ።
5
ካብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፀ፤ ንዮሴፍ ምስክር ኣቖመ፤ ዘይፈልጦ ቛንቋ ሰምዐ።
6
“ዝባኑ ኻብ ሸኽሚ፥ ኣእዳዉውን ካብ ተገዛእነት ከፈር ኣርሓቕኩ።
7
ብመከራኻ ፀዋዕኻኒ፤ ኣድሓንኩኻውን፤ ብዝተሰወረ ኣውሎ መለስኩልካ፤ ኣብ ማይ መሪባ ፈተንኩኻ።
8
ህዝበይ፥ ክነግረካስ ስምዐኒ፤ ኦ እስራኤል ኣሰምዐልካ ኣለኹ።
9
እንተ እትሰምዐንስ፥ ካልእ ኣምላኽ ኣይምኾነልካን፤ ንባዕዲ ኣምላኽውን ኣይምሰገድካን።
10
ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኻ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ኣነውን ክመልኦ እየ።”
11
“ህዝበይ ግና ቓለይ ኣይሰምዑንን፤ እስራኤልውን ኣየዳመፁንን።
12
ከም ስራሕ ልቦም ሓደግክዎም፤ ብሓሳብ ልቦምውን ከዱ።
13
ህዝበይ ቃለይ ሰሚዖም እንተ ዝኾኑ! እስራኤልውን ብመንገደይ እንተ ዝኸዱ!
14
ንዅሎም ፀላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቕዎምውን ኢደይ መልዓልኩ ነይረ።
15
ፀላእቲ እግዚኣብሄር ምተገዝእዎ ነይሮም፤ ጊዜኦምውን ክሳዕ ዘለኣለም ምኾነ ነይሩ።
16
ስብሒ ስርናይውን መብልዖም ነይሩ፤ ካብ ኰዅሒውን መዓር መፅገቦም ነይሩ።”
← Chapter 80
Chapter 82 →