bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 80
Psalms 80
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንዮሴፍ ከም መጓሰ ኣባጊዕ እትመርሕ፥ ኦ ጓሳ እስራኤል፥ ፅን በል። ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፥ ተገለፅ።
2
ኣብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን፥ ሓይልኻ ኣልዕል፤ ንምድሓንናውን ነዓ።
3
ኦ ኣምላኽ፥ ምለሰና፤ ምእንቲ ኽንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና።
4
ኦ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ኣብ ልዕሊ ፀሎት ባርያኻ እትቝጣዕ?
5
እንጀራ ንብዓት ኣብላዕኻና፤ ብመስፈሪ ኸዓ ንብዓት ኣስተኻና።
6
ንጐረባብትና መካትዒ ገበርካና፤ ፀላእትናውን ይሳለቑና ኣለዉ።
7
ኦ ኣምላኽ ጐይታ ሰራዊት፥ ምለሰና፤ ክንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና።
8
ተኽሊ ወይኒ ካብ ግብፂ ኣምፃእኻ፤ ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ንኣኣ ተኸልካያ።
9
ኣብ ቅድሚኣ መንገዲ ፀረግካ፤ ሰራውራ ተኸልካ፤ ንምድሪ እውን መልአት።
10
ፅላላ ንእምባታት ከደነ፤ ጨናፍራ ድማ ኸም ዝግባ እግዚኣብሄር ኮኑ።
11
ጨናፍራ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ውልዶታታ ኸዓ ኽሳዕ ፈለግ ዘርግሐት።
12
ስለ ምንታይ ሓፁራ ኣፍረስካ? እንሆ ሕዚ ዅሎም ሓለፍቲ መንገዲ ይቕንጥብዋ ኣለዉ።
13
ናይ ዱር መፍለስ ኣርከሳ፤ መውፈሪ እንስሳ በረኻውን ኮነት።
14
ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፥ በይዛኻ ተመለስ፤ ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ተመልከት፤ ረአውን፤ ነዛ ዓፀደ ወይኒ እዚኣ ብፅሐላ።
15
ብወዲ ሰብ ንኣኻ ዘፅናዕኻዮውን፥ የማንካ ንዝተኸለታ ኣልዕላ።
16
ብሓዊ ተቓፂላ ኣላ፤ ተነቒላውን ኣላ፤ ካብ ተግሳፅ ገፅካ ዝተልዓለ ይጠፍኡ ኣለዉ።
17
ኢድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ የማናይካ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣኻ ኢልካ ዘፅናዕኻዮ ወዲ ሰብ ትኹን።
18
ካባኻ ኣይንርሓቕ፤ ኣሕውየና ስምካውን ክንፅውዕ ኢና።
19
ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ምለሰና፤ ንኽንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና።
← Chapter 79
Chapter 81 →