bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 79
Psalms 79
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኽ፥ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣተዉ፤ ንቕድስቲ መቕደስካውን ኣርከስዋ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ።
2
ንሬሳ ባሮትካ ነዕዋፍ ሰማይ፥ ንስጋ ፃድቃንካ ድማ ንኣራዊት በረኻ ምግቢ ገበሩ።
3
ደሞም ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ከም ማይ ኣፍሰስዎ፤ ዝቐብሮምውን ሰኣኑ።
4
ንጐረባብትና ነውሪ፥ ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸዓ፥ መስሓቒኦምን መላገፂኦምን ኮንና።
5
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትቝጣዕ? ቅንኣትካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?
6
ንቝጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ መንግስታት ኣፍስሶ።
7
ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ነታ መሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ።
8
እቲ ዝቐደመ በደልና ኣይትዘክረልና፤ ምሕረትካ ቐልጢፋ ትርከበና፤ የመና ተሸጊርና ኢናሞ።
9
ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን፥ ርድአና፤ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ኢልካ፥ ኦ ጐይታ ኣናግፈና፤ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።
10
ኣህዛብ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ?” ምእንቲ ኸይብሉና፥ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍለጡ።
11
ገዓር እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻ ኣድሕኖም።
12
ኦ ጐይታ፥ ነቶም ምብጫው ዘባጨዉልካ ጐረባብትና፥ ሸውዓተ ኢድ ጌርካ ኣብ ሕቝፎም ፍደዮም።
13
ሽዑ ንሕና ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሰኻን ዝኾንና፥ ንዘለኣለም ክነመስግነካ ኢና፤ ንውሉድ ወለዶውን ምስጋናኻ ኽንነግር ኢና።
← Chapter 78
Chapter 80 →