bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 7
Psalms 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኸይ፥ ብኣኻ ተኣመንኩ፤ ካብ ኵሎም ዝኸቡኒ ኣድሕነኒ፤ ኣናግፈኒውን።
2
ዘድሕንን ዘናግፍን ኣብ ዘይብሉ፥ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ከይምንዝዕዋን ከይሰላልዕዋን።
3
ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ከምዙይ ገይረ እንተ ደኣ ኾይነ፥
4
ኣብ ኢደይውን ዓመፅ እንተ ተረኺቡ፥ ክፉእ ንዝገበሩኒ፥ ክፉእ መሊሰሎም እንተ ኾይነ፥ ንፀላእየይውን ብኸንቱ ገፊዐ እንተ ኾይነ፥
5
ፀላኢ ንነፍሰይ የሳጕጓ፤ ይርከባውን፤ ንህይወተይውን ኣብ ምድሪ ይርገፃ፤ ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዳ።
6
ኦ ጐይታ፥ ብመዓትካ ተስእ፤ ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ብቝጥዓ ተልዓል፤ ኦ ኣምላኸይ ብዝኣዘዝካዮ ስርዓት ንቓሕ።
7
ጉባኤ ኣህዛብውን ክኸበካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ተመለስ።
8
እግዚኣብሄር ብኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ከም ፅድቀይ ፍረደለይ፤ ከም ለዋህነተይውን ይኹነለይ።
9
ክፍኣት ሓጥኣን ይጥፋእ፤ ንፃድቃን ግና ኣቕንዓዮም፤ እግዚኣብሄር ልብን ኵላሊትን ይምርምር።
10
እግዚኣብሄር ናይ ፅድቂ ዋልታይ እዩ፤ ንሱ ንቕኑዓት ልቢ የድሕኖም እዩ።
11
ኣምላኽ ናይ ሓቂ ፈራዲ እዩ፤ ሓያልን ተዓጋሲን እዩ፤ ኵልሻዕውን ኣይቝጣዕን።
12
እንተ ዘይተመሊስኩም ግና፥ ሰይፉ ይስሕል፤ ቀስቱውን ገተረ፤ ኣዳለወውን።
13
ናይ ሞት ኣፅዋርውን ኣዳለወሉ፤ ፍላፃታቱውን ከም ዝቃፀሉ ገበረ።
14
እንሆ ዓማፂ ብዓመፃኡ ተጨነቐ፤ ጕድኣት ጠነሰ፥ ሓጢኣትውን ወለደ።
15
ጕድጓድ ኰዓተ፤ ኣዕመቖውን፥ ናብቲ ዝዀዓቶ ጕድጓድ ድማ ይወድቕ።
16
ጕድኣቱ ናብ ባዕሉ ይምለስ፤ ዓመፃኡውን ኣብ ናላኡ ትወርድ።
17
ንእግዚኣብሄር ከም መጠን ፅድቁ ኸመስግኖ እየ፤ ንስም ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ኽዝምር እየ።
← Chapter 6
Chapter 8 →