bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 78
Psalms 78
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ህዝበይ፥ ንሕገይ ኣድምፁ፤ እዝንኹምውን ናብ ቃል ኣፈይ ፅን ኣብሉ።
2
ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፤ ነቲ ኻብ ቀደም ዝነበረ ምስላውን እናገር ኣለኹ።
3
እቲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን፥ ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፥ ንዝመፅእ ትውልዲ ኻብ ደቆም ኣይሓብኡን።
4
ናይ እግዚኣብሄር ምስጋናኡን ሓይሉን፥ ዝገበሮ ተኣምራቱን ተናገሩ።
5
ንያእቆብ ዘቖሞ ምስክር ንእስራኤል ዝሰርዖ ሕጊ፥ ንደቆም ክምህርዎም ነቦታትና ኣዘዞም።
6
እዙይ ከዓ እቲ ዝመፅእ ወለዶ ምእንቲ ኽፈልጦ፥ እቶም ገና ዘይተወለዱ ደቂ ድማ፥ ተሲኦም ንደቆም ክነግሩ እዮም፤
7
ንሳቶም ከዓ ተስፋኦም ኣብ እግዚኣብሄር ክገብሩ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተግባር ከይርስዑ፥ ትእዛዛቱውን ምእንቲ ኽሕልዉ እዩ።
8
ከም ኣቦታቶም ከይኾኑ፥ ዓላዊትን መራርን ትውልዲ፥ ልባ ዘየቕንዐት ትውልዲ፥ ነፍሳ ብእግዚኣብሄር ዘይተኣመነት ከይኾኑ።
9
እቶም ቀስትን ፍላፃን ዝተዓጥቁ ደቂ ኤፍሬም፥ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመለሱ።
10
ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይሓለዉን፤ ብሕጉ ምኽያድውን ኣበዩ።
11
ረድኤቱን ነቲ ዘርኣዮም ተኣምራቱን ረስዕዎ።
12
ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ በረኻ ጣኔዎስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም፥ ተኣምራት ገበረ።
13
ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፤ ንማይ ከዓ ኸም ኵምራ ኣቖሞ።
14
መዓልቲ ብደመና፥ ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።
15
ኣብ ምድረ በዳ ነኻውሕ ጨደዶ፤ ካብ ቃላይ ከም ዝርከብ ብዙሕ ማይ ኣስተዮም።
16
ዓይኒ ማያት ካብ ኰዅሒ ኣውፅአ፤ ንማይ ድማ ኸም ውሕጅ ኣፍሰሶ።
17
ግና ንእኡ ምብዳል መሊሶም ደገሙ፤ ንልዑል ከዓ ኣብ ምድረ በዳ ኣቘጥዕዎ።
18
ንነፍሶም ምግቢ እናደለዩ፥ ብልቦም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ።
19
ንእግዚኣብሄርውን ከምዙይ ኢሎም ሓመይዎ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል? እንሆ፥ ንኰዅሒ ወቕዐሞ ማይ ፈልፈለ፤ ውሕጅውን ወሓዘ፤ ግና እንጀራ ምሃብ ይኽእልዶ? ንህዝቡኸ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል?”
21
እግዚኣብሄር እዙይ ሰሚዑ ተቘጥዐ፤ ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ቍጥዓኡ ወፀ።
22
ብእግዚኣብሄር ኣይኣመኑንሞ፥ ብምድሓኑውን ኣይተኣማመኑንሞ።
23
ንደመና ብላዕሊ ኣዘዘ፤ በርታት ሰማይውን ከፈተ።
24
ምእንቲ ኽበልዑ መና ኣዝነመሎም፤ እንጀራ ሰማይውን ሃቦም።
25
ሰባት እንጀራ መላእኽቲ በልዑ፤ ክሳዕ ዝተርፎምውን ስንቂ ሰደደሎም።
26
ካብ ሰማይ ንንፋስ ምብራቕ ኣተስኦ፤ ብሓይሉውን ንንፋስ ደቡብ ኣምፅአ።
27
ኣብ ልዕሊኣቶም ስጋ ኸም ሓመድ፥ ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑፃ ባሕሪ ኣዝነመሎም፤
28
ኣብ ማእኸል ሰፈሮም፥ ኣብ ዙርያ ድንኳኖምውን ወደቐ፤ በልዑ እምብዛውን ፀገቡ።
29
እቲ ዝተመነይዎ ሃቦም፤ በልዑ፤ የመናውን ፀገቡ።
30
ካብቲ ዝደለይዎ ኣየስኣኖምን፤ መብልዖም ገና ኣብ ኣፎም እንተሎ፥
31
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም መፀ፤ ካብኣቶምውን ነቶም ዝበዝሑ ቐተለ፤ ንሕሩያን እስራኤልውን ኣሰናኸለ።
32
ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን መሊሶም በደሉ፤ ብተኣምራቱውን ኣይኣመኑን።
33
መዓልትታቶም ብኸንቱ ሃለቓ፤ ዓመታቶም ድማ ብሽኰላ ሓለፋ።
34
እንትቐትሎም ሽዑ ይደለይዎ ነበሩ፤ ይምለሱ ናብ እግዚኣብሄርውን ይግስግሱ።
35
ረዳኢኦም እግዚኣብሄር፥ መድሓኒኦምውን ልዑል እግዚኣብሄር ምዃኑ ዘከሩ።
36
ብኣፎም ፈተውዎ፤ ብመልሓሶም ድማ ጠበርዎ።
37
ልቦም ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ኣይኮነን፤ ብኺዳኑውን ኣይተኣመኑን።
38
ንሱ ግና መሓሪ እዩ፤ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ ኣየጥፍኦምንውን፤ ንቝጥዓኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፤ ብዅሉ መዓቱ ድማ ኣየቃፀለን።
39
ወፂኡ ዘይምለስ መንፈስ፥ ስጋ ኸም ዝኾኑ ዘከረ።
40
ኣብ ምድረ በዳ ብዙሕ ጊዜ ኣቘጥዕዎ፤ ኣብ በረኻውን ኣጕሃይዎ።
41
መሊሶም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣሕዘንዎ።
42
ንሳቶም ንኢዱን፥ ነታ ኻብ ኢድ ፀላእቶም ዘድሓኖም መዓልትን፥
43
ነቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ዝገበሮ ተኣምራትን፥ ነቲ ኣብ በረኻ ጣኔዎስ ዝገበሮ ድንቂ ነገርን ኣይዘከርዎን።
44
ንሩባታቶምን ንወሓዚ ማዮምን፥ ምስታይ ምእንቲ ኽስእኑ፥ ናብ ደም ለወጦ።
45
ኣብ ልዕሊኣቶም ተናኸስቲ ዝምቢ ሰደደ፤ በልዕዎምውን፤ ብጭንቍራዕውን ኣጥፍኦም።
46
ብቋልያኦም ንቓቔጣ፥ ፍረ ስራሖም ከዓ ንኣንበጣ ሃቦ።
47
ንወይኖም ብበረድ፥ ንበለሶም ከዓ በስሓይታ ኣጥፍአ።
48
እንስሳኣቶም ንበረድ፥ ጥሪቶም ድማ ንሓዊ ሃበን።
49
መቕሰፍቲ መዓቱ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰደደ፤ መቕሰፍትን መዓትን፥ መከራንውን ብኽፉኣት መላእኽቲ ሰደደ።
50
ንቝጥዓኡ መንገዲ ፀረገ፤ ንነፍሶምውን ካብ ሞት ኣየድሓናን፤ ንእንስሳኣቶምውን ኣብ ውሽጢ ሞት ዓፀወ።
51
ንብዘሎ በዅሪ ግብፂ ቐተለ፤ ነቶም ናይ መጀመርታ ሓይሊ ፍረ ዝኾኑ፥ ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም፤
52
ንህዝቡ ግና ኸም ኣባጊዕ ኣውፈሮም፤ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም።
53
ብተስፋውን መርሖም፤ ኣይፈርሑንውን፤ ንፀላእቶም ግና ባሕሪ ደፈኖም።
54
ናብ እምባ መቕደሱውን ኣእተዎም፤ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዝፈጠረታ፥ ናብዛ እምባ እዚኣ ኣእተዎም።
55
ህዝቢ እስራኤል ክመፁ እንተለዉ፥ ንኣህዛብ ካብ ቅድሚኣቶም ኣባረሮም፤ ንርስቱውን ብገመድ ኣካፈሎም። ንህዝቢ እስራኤልውን ኣብ ኣባይቶም ኣንበረ።
56
ግና ንልዑል እግዚኣብሄር ፈተንዎን ኣቘጥዑዎን፤ ንምስክሩውን ኣይሓለዉን።
57
ተመለሱ፤ ከም ኣቦታቶም ድማ ጠለሙ፤ ከም ጠዋይ ቀስቲውን ተገልበጡ።
58
ብዀረብታ መስገዲታቶም ድማ ኣቘጥዕዎ፤ ብዝተቐረፀ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።
59
እግዚኣብሄር ድማ ነዙይ ሰሚዑ ተቘጥዐ፤ ንእስራኤልውን ፈፂሙ ነዓቖም።
60
ነታ መሕደሪ ሴሎ፥ እታ ኣብ ማእኸል ሰብ ሓዲሩላ ንዝነበረ ድንኳኑ ሓደጋ።
61
ሓይላቶም ንምርኮ፥ ንሽልማቱውን፥ ናብ ኢድ ፀላኢኦም ኣሕሊፉ ሃበ።
62
ንህዝቡ ኣብ ውሽጢ ዂናት ዓፀዎም፤ ንርስቱውን ሸለል በሎም።
63
ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፤ ደናግሎምውን ኣይሓዘናን።
64
ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፤ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።
65
እግዚኣብሄር ካብ ድቃሱ ኸም ዝነቅሕ፥ ስኻር ወይኒ ኸም ዝሓደጎ ኸም ሓያል ሰብ ተስአ።
66
ንፀላእቱውን ብድሕሪኡ ቐተለ፤ ናይ ዘለኣለም ሓሳርውን ሃቦም።
67
ንድንኳን ዮሴፍውን ሓደጋ፤ ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሓረዮን፤
68
ንነገድ ይሁዳ፥ ነቲ ዘፍቀሮ እምባ ፅዮን ግና ሓረዮ።
69
መቕደሱ ኣብ ኣርያም ሰርሐ፤ ኣብ ምድሪ እውን ንዘለኣለም መስረታ።
70
ንባርያኡ ዳዊት ሓረዮ፤ ካብ መጓሰ ኣባጊዕውን ወሰዶ።
71
ንህዝቡ ያእቆብን፥ ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኽሕሉ፥ ካብ ዘጥብዋ ኣባጊዕ ኣምፅኦ።
72
ብቕንዕና ልቡ ሓለዎም፤ ብጥበብ ኢዱውን መርሖም።
← Chapter 77
Chapter 79 →