bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 77
Psalms 77
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ቃለይ ኣልዒለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ቃለይ ናብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሱውን ሰምዐኒ።
2
ብመዓልቲ መከራይ ንእግዚኣብሄር ደለኽዎ፤ ኣእዳወይ ብለይቲ ኣብ ቅድሚኡ እየን፤ ኣይዓረፍኩንውን፤ ነፍሰይውን ክትፀናናዕ ኣይከኣለትን።
3
ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ደስውን በለኒ፤ ተናገርኩ፤ ነፍሰይ ድማ ፈዘዘት።
4
ንኽተግሁ ነዒንተይ ሓዝካዮም፤ ደንገፅኩ፤ ኣይተናገርኩንውን።
5
ነቲ ናይ ቀደም ዘመን ዘከርኩ፤ ናይ ዘለኣለም ዓመታትውን ሓሰብኩ፤ ኣስተንተንኩውን።
6
ብለይቲ ምስ ልበይ ተፃወትኩ፤ ንነፍሰይውን ኣንቃሕኽዋ።
7
እግዚኣብሄርዶ ንዘለኣለም ይድርቢ እዩ? ድሕሪ ደጊምከ ፀጋኡዶ ኣይውስኽን እዩ?
8
ምሕረቱኸ ንዘለኣለም ንውሉድ ወለዶዶ ተቛሪፁ እዩ? እቲ ዝተናገሮ ቓልከ ተወዲኡ ድዩ?
9
እግዚኣብሄር ንይቕረታኡዶ ረሲዕዎ እዩ? ንምሕረቱኸ ብቝጥዓኡዶ ዓፅይዎ እዩ?
10
እዙይ ድኻመይ እዩ በልኩ፤ ዓመታት የማናይ እቲ ልዑል እዝክር ኣለኹ።
11
ግብሪ እግዚኣብሄር ዘከርኩ፤ ነቲ ጥንቲ ዝገበርካዮ ተኣምራትካውን እዝክር እየሞ።
12
ንዅሉ ግብርታትካ ኸስተንትኖ፥ ነቲ ስራሕኻውን ክዝክሮ እየ።
13
ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ብውሽጢ መቕደስ እዩ፤ ከም ኣምላኽና ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽ መን እዩ?
14
ተኣምራት እትገብር ኣምላኽ፥ ንስኻ ኢኻ፤ ንህዝብኻ ሓይልኻ ኣርአኻዮም።
15
ንደቂ ያእቆብን ዮሴፍን ህዝብኻ፥ ብቕልፅምካ ተቤዘኻዮም።
16
ኦ ኣምላኽ፥ ማያት ረአዩኻ፤ ማያት ረአዩኻ እሞ ፈርሑ፤ ቃላያት ተናወፁ፤ ማያትውን ድምፂ ኣስምዑ።
17
ደመናት ድምፂ ሃቡ፤ ፍላፃታትካ ወፁ፤ ድምፂ መባርቕትኻውን ኣብ ኣውሎ ነበረ፤ በርቅታትካውን ብዅሉ ወገን ማሕ ማሕ በለ።
18
ድምፂ ነጐድጓድካ ብኣውሎ ንፋስ ነበረ። ብርሃን መባርቕ ንዓለም ኣብርሀ፤ ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን።
19
መንገድኻ ኣብ ባሕሪ፥ ኣሰርካውን ኣብ ብዙሕ ማያት እዩ፤ ኣካይዳኻውን ኣይፍለጥን።
20
ንህዝብኻ ኸም መጓሰ፥ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን መራሕኻዮም።
← Chapter 76
Chapter 78 →