bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 74
Psalms 74
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኽ፥ ስለ ምንታይ ንሓዋሩ ደርበኻና? ኣብ ልዕሊ መጓሰ ኣባጊዕኻኸ ንምንታይ ቍጥዓ ተቘጣዕኻ?
2
ኣቐዲምካ ንዝፈጠርካያ ማሕበርካ፥ ንዝተቤዘኻያ በትሪ ርስትኻ፥ ነታ ኣብኣ ዝሓደርካያ እምባ ፅዮን ዘክር።
3
ፀላኢ ኣብ ቅዱሳንካ ኸም ዘኽፍአ መጠን፥ ኵልሻዕ ኣብ ትዕቢቶም ኢድካ ኣልዕል።
4
ፀላእትኻ ኣብ ማእኸል በዓልካ ተመክሑ፤ ዘይፈልጥዎ ምልክትውን ምልክት ገበሩ።
5
ከምቲ ላዕለዋይ መእተዊ፥ ከምቶም ኣብ ዱር ዘለዉ ኣእዋም፥ ንበሪታታ ብማሕፀ ሰበሩ።
6
ከምኡ ብማሕፀን ብመዶሻን ገይሮም ሰበርዎ።
7
ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንደድዋ፤ ንመሕደሪ ስምካውን ኣብ ምድሪ ኣርከስዋ።
8
ብልቦም ሓደ ኾይኖም በብህዝቦም፥ ንዑ ንበዓላት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ንስዓር በሉ።
9
ምልክታትና ኣይንርእን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ነቢይ የለን፤ ክሳዕ መኣዝ ከም ዝነብር ዝፈልጥ ኣባና የለን።
10
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ እዩ ፀላኢ ዝፃረፍ? ክሳዕ መኣዝ እዩኸ ፀላኢ ንስምካ ዘቃልሎ?
11
የማንካ ኻብ ማእኸል መንኰራርዕትኻ፥ ኢድካውን ንምንታይ ፈፂምካ እትምልስ?
12
እግዚኣብሄር ግና ቅድሚ ዓለም ንጉስ እዩ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ እውን መድሓኒት ገበረ።
13
ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ ኣፅናዕኻያ፤ ኣራእስ ኣትማን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሰበርካ።
14
ንስኻውን ኣራእስ ገበል ቀጥቀጥካ፤ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምግቦም ሃብካዮም።
15
ዓይኒ ማያትን ወሓዝትን ሰንጠቕካ፤ ንስኻ ነቶም ኵልሻዕ ዝውሕዙ ሩባታት ኣንቀፅካ።
16
መዓልቲ ናትካ እያ፤ ለይቲውን ናትካ እያ፤ ንስኻ ንወርሕን ንፀሓይን ኣፅናዕኻየን።
17
ንስኻ ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ሰራሕኻ፤ ንሓጋይን ንኽረምትን ንስኻ ገበርካዮ።
18
ነዝ ፍጥረትካ እዙይ ዘክር፤ ፀላኢ ንእግዚኣብሄር ኣባጨወሉ፤ ሰነፍ ህዝቢ እውን ንስሙ ኣቘጥዖ።
19
ነታ እትግዝአልካ ነፍሲ፥ ንኣራዊት ኣይትሃባ፤ ንነፍሲ እቶም ሽግረኛታትካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ።
20
ናይ ምድሪ ናይ ፀልማት ስፍራታት፥ ብገዛውቲ ሓጥኣን ተመሊአን እየንሞ፥ ናብ ኪዳንካ ተመልከት።
21
ድኻ ሓፊሩ ኣይመለስ፤ ምስኪንን ድኻን ንስምካ የመስግኑ።
22
ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ በቐልካ ተበቀል፤ ሰነፋት ኵልሻዕ ዘባጨዉልካ ዘክር።
23
ቃል ባሮትካ ኣይትረስዕ፤ ኵርዓት ፀላእትኻ ዅልሻዕ ናባኻ ይድይብ ኣሎ።
← Chapter 73
Chapter 75 →