bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 75
Psalms 75
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነመስግነካ ኣለና፤ ኦ ጐይታ፥ ነመስግነካ ኣለና፤ ስምካውን ንፅውዕ ኣለና፤ ኵሉ ተኣምራትካውን ንነግር ኣለና።
2
ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብኩ፥ ኣነ ሓቂ ኽፈርድ እየ።
3
ምድርን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን መኸኹ፤ ኣነ ግና ነዕምዳ ኣፅናዕኹ።
4
ንሓጥኣን፥ “ኣይትበድሉ” በልኩዎም፤ ነቶም ሓጢኣተኛታትውን “ቀርንኹም ኣይተልዕሉ” በልክዎም።
5
ቀርንኹም ክሳዕ ላዕሊ ኣይተልዕሉ፤ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርውን ዓመፅ ኣይትናገሩ።
6
ክብሪ ኻብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፥ ወይ ካብ ምድረ በዳ ኣይመፅእንሞ።
7
እግዚኣብሄር ፈራዲ እዩሞ፤ ነዙይ የዋርድ፤ ነቱይ ከዓ የኽብር።
8
ፅዋዕ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ዘይተሓዋወሰ ወይኒ መልአሉ፤ ካብዙይ ናብቱይውን ሓዋወሶ፤ ግና ሓተላኡ ኣይፈሰሰን፤ ኵሎም ሓጥኣን ምድሪ ድማ ኽሰትይዎ እዮም።
9
ኣነ ግና ንዘለኣለም ደስ ይብለኒ፤ ንኣምላኽ ያእቆብውን ክዝምረሉ እየ፤
10
ንዅሉ ኣቕርንቲ ሓጥኣን ክሰብሮ እየ፤ ኣቕርንቲ ፃድቃን ግና ልዕል ልዕል ክብሉ እዮም።
← Chapter 74
Chapter 76 →