bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 73
Psalms 73
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ልቦም ቅኑዕ ንዝኾነ፥ ንእስራኤል ከመይ ሰናይ እዩ።
2
ኣነ ግና ኣእጋረይ ክሰናኸላ፥ ኣካይዳይውን ከንደልህፅ ቀሪበ ነበርኩ።
3
ሰላም ሓጢኣተኛታት ሪአ፥ ብዓመፀኛታት ቀኒአ ነይረ እየሞ።
4
ንሞቶም ፃዕሪ የብሉን፤ ሓይሎምውን ጥንኩር እዩ።
5
ከም ሰብ ኣብ ድኻም ኣይኮኑን፤ ምስ ሰብውን ኣይተገረፉን።
6
ስለዙይ ትዕቢት ሓዞም፤ ንሓጢኣትን ንበደልን ከም ክዳን ተወንዘፍዋ።
7
ኣዒንቶም ስብሒ ስለ ዝኾነ ወፀ፤ ልቦምውን ካብ ዝምነይዎ ንላዕሊ ረኸበ።
8
ሓሲቦም ክፉእ ነገር ተናገሩ፤ ልዕል ልዕል ኢሎምውን ብዓመፃ ተናገሩ።
9
ኣፎም ኣብ ሰማይ ኣንበሩ፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ምድሪ ተመላለሰ።
10
ስለዙይ ህዝበይ ናብዙይ ይምለሱ፤ ፍፁም ጊዜ ኣብ ልዕሊኣቶም ይርከብ።
11
“እግዚኣብሄር ከመይ ይፈልጥ? እቲ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ?” ይብሉ።
12
እንሆ፥ እዞም ሓጥኣን እዚኣቶም ይሕጐሱ ኣለዉ፤ ኵልሻዕውን ሃብቶም የብዝሑ ኣለዉ።
13
ከምዙይውን በልኩ፦ ኣነ ብኸንቱ እየ ንልበይ ዘፅደቕክዋ፤ ነእዳወይውን ብኸንቱ ብንፅህና ሓፀብኩ።
14
ኵልሻዕውን ዝተገረፍኩ ኾንኩ፤ ፀርፈይውን በብንግሆ እዩ።
15
ከምዙይ ኢለ እንተ ዝናገር ነይረስ፥ ንትውልዲ ደቅኻ ምበደልኩ ነይረ።
16
ንኽፈልጥ ኢለውን ሓሰብኩ፤ እዙይ ግና ኣብ ቅድመይ ኣፀጋሚ ነበረ።
17
ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝኣቱ፥ ንፍፃሜኣቶምውን ክሳዕ ዘስተውዕል ተሸገርኩ።
18
ኣብ መንደልሃፂ ስፍራ ኣንበርካዮም፤ ናብ ጥፍኣትውን ደርበኻዮም።
19
ከመይ ንጥፍኣት ኮኑ? ብድንገት ሃለቑ፤ ብሓጢኣቶም ድማ ጠፍኡ።
20
ካብ ሕልሚ ኸም ዝነቅሕ፥ ኦ ጐይታ፥ ምስ ነቓሕኻ ንምልክቶም ተነውሮ።
21
ልበይ ነዲዱ ኢዩሞ፤ ኰላሊተይውን መኺኹ እዩሞ።
22
ኣነ ዝተንዓቕኩ እየ፤ ኣይፈለጥኩንውን፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ኾንኩ።
23
ግና ኣነ ዅልሻዕ ምሳኻ እየ፤ የማነይቲ ኢደይ ሓዝካኒ።
24
ብምኽርኻ መራሕኻኒ፤ ምስ ክብሪውን ተቐበልካኒ።
25
ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ?
26
ኦ ናይ ድሕነተይ ኣምላኽ፥ ልበይን ስጋይን ሃለቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ዕድለይ እዩ።
27
እንሆ፥ እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ኽጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ካባኻ ርሒቆም ዘመንዝሩ፥ ኣጥፋእኻዮም።
28
ንኣይ ግና ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ይሕሸኒ፤ ብበርታት ጓል ፅዮን ኵሉ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽናገር፥ መተኣማመንየይ እግዚኣብሄር እዩ።
← Chapter 72
Chapter 74 →