bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 72
Psalms 72
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ! ፍትሕኻ ንንጉስ፥ ፅድቅኻ ድማ ንወዲ ንጉስ ሃብ።
2
ንሱ ንህዝብኻ ብፅድቂ፥ ንነዳያንካውን ብፍትሒ ኽፈርድ እዩ።
3
እምባታትን ኰረብታታትን፥ ብፅድቂ ንህዝብኻ ሰላም ይቀበሉ።
4
ንዝተሸገሩ ህዝብኻ ብሓቂ ትፈርደሎም፤ ንደቂ ምስኪናትካ ድኻታትውን ተድሕኖም፤ ነቲ ዕቡይ ድማ ኽተዋርዶ ኢኻ።
5
ፀሓይ ብዝነብረሉ ዅሉ ዘመን፥ ኣብ ቅድሚ ወርሒውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ።
6
ንሱ ኸም ህቦ ኣብ ልዕሊ ሰውሒ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘንጠብጥብ ነጠብጣብውን ይወርድ።
7
ብዘመኑ ፅድቂ ይዕምብብ፤ ወርሒ ክሳዕ እትሓልፍውን ብዙሕ ሰላም ክህሉ እዩ።
8
ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ ፈለግውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኽገዝእ እዩ።
9
ኣብ ቅድሚኡ ኢትዮጵያ ኽሰግዱ እዮም፤ ፀላእቱ ኸዓ ሓመድ ክቝሕሙ እዮም።
10
ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ውህብቶ ኸምፅኡሉ እዮም፤ ነገስታት ሳባን ዓረብን ድማ ገፀ በረኸት ከቕርቡሉ እዮም።
11
ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸዓ ኽሰግዱሉ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ክግዝኡሉ እዮም።
12
ንሱ ረዳኢ ንዘይብሉ ምስኪንን፤ ንድኻን ካብ ኢድ ዝዕምፆ የድሕኖ።
13
ንምስኪናትን ንድኻታትን ይርህርሀሎም፤ ንነፍሲ ድኻታትውን የድሕን።
14
ንነፍሶምውን ካብ ጥቕዓትን ካብ ግፍዕን የድሕን፤ ስሙውን ኣብ ቅድሚኣቶም ክቡር እዩ።
15
ንሱ ብህይወት ይነብር፤ ካብ ዓረብውን ወርቂ ይህብዎ፤ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ይፅልዩ፤ ኵሉ መዓልቲ እውን ክባርኽዎ እዮም።
16
ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኣብ ልዕሊ እምባታት መፀግዒ ክኸውን እዩ፤ ፍረኡውን ካብ ኦም ሊባኖስ ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ከም ሳዕሪ ምድሪ ኽበቍል እዩ።
17
ስሙ ንዘለኣለም ቡሩኽ ይኸውን፤ ቅድሚ ፀሓይ ስሙ ኣሎ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብእኡ ኽባረኹ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኸመስግንዎ እዮም።
18
በይኑ ዘደንቕ ተግባራት ዝገብር፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይመስገን።
19
ስም ምስጋናኡውን ንዘለኣለመ ኣለም ይባረኽ፤ ኵላ ምድሪ እውን ብኽብሩ ትምላእ። ኣሜን! ኣሜን!
20
ፀሎት ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብዙይ ተፈፀመ።
← Chapter 71
Chapter 73 →