bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 71
Psalms 71
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ ተኣሚነ ኣለኹ፤ ንዘለኣለም ኣይሕፈር።
2
ብፅድቅኻ ኣድሕነንን ኣናግፈንን፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ኣድሕነኒውን።
3
ኣብ ፅኑዕ ቦታ ምእንቲ ኽተድሕነኒ፥ ኣምላኽን መሕብእን ኩነኒ፤ ሓይለይን መፀግዕየይን ንስኻ ኢኻሞ፥ ንምድሓነይ ኣዘዝካ።
4
ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ኢድ ሓጥኣን፥ ካብ ኢድ ዓማፅን ገፋዕንውን ኣናግፈኒ።
5
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ተስፋይ ኢኻሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መተኣማመኒየይ ኢኻሞ።
6
ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ብኣኻ ተደገፍኩ፤ ካብ ማህፀን ወላዲተይ ጀሚሩውን ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኵልሻዕውን ምስጋናይ ንኣኻ እዩ።
7
ንስኻ ብርቱዕ መዕቘቢ ስለ ዝኾንካኒ፥ ንብዙሓት መደነቒ ኾንክዎም።
8
ኵልሻዕ ኽብርኻን ግርማኻን ንኽዝምር፥ ንኣፈይ ምስጋናኻ ምላእ።
9
ኣምላኸይ ብጊዜ እርግናይ ኣይትደርብየኒ፤ ሓይለይ ምስ ተወድአውን ኣይትሕደገኒ።
10
ፀላእተይ ኣብ ልዕለይ ይዛረቡ ኣለዉ፤ እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋውን፥ ከምዙይ ኢሎም ሓቢሮም ተማኸሩ፦
11
“ኣምላኽ ሓዲግዎ እዩ፤ ዘናግፎ የለን እሞ ተኸቲልኩም ሓዝዎ።”
12
ኦ ኣምላኽ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።
13
እቶም ንነፍሰይ ዝፃረሩዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፤ እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩውን ሕፍረትን ሓሳርን ይከደኑ።
14
ኣነ ግና ዅልሻዕ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኽ እየ።
15
ቍፅሩ ኣይፈልጦንሞ፥ ኣፈይ ፅድቅኻ፥ ኵሉ ጊዜውን ምድሓንካ ይናገር
16
ብሓይሊ እግዚኣብሄር ክኣቱ እየ፤ ኦ ጐይታ፥ ንፅድቅኻ ጥራሕ ክዝክር እየ።
17
ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሃርካኒ፤ ክሳዕ ሕዚ እውን ተኣምራትካ እናገር ኣለኹ።
18
ነቲ ዝመፅእ ትውልዲ፥ ቅልፅምካን ሓይልኻን ፅድቅኻን፥ ክሳዕ ዝነግር፥ ክሳዕ ዝኣርግን ዝሽምግልን፥ ኦ ጐይታ ኣይትሕደገኒ።
19
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ ኣርያም ዓበይቲ ነገራት ገበርካ፤ ኦ ኣምላኽ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ?
20
ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ኣርአኻኒ፤ ግና ተመሊስካ ህያው ገበርካኒ፤ ካብ ውሽጢ ምድሪ እውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ።
21
ንፅድቅኻውን ኣብዛሕኻዮ፤ ተመሊስካውን ኣሐጐስካኒ፤ ካብ መዓሙቕውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ።
22
ኣነውን ብበገና፥ ስለ ሓቅኻ ኸመስግነካ እየ፤ ኣታ ኣምላኽ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ።
23
ክዝምረልካ እንተለኹ ኸናፍረይን፥ እታ ዘድሓንካያ ነፍሰይን ደስ ይብለን።
24
እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩ ምስ ሓፈሩን ምስ ተዋረዱን፥ መልሓሰይ ኵልሻዕ ፅድቅኻ ኽትናገር እያ።
← Chapter 70
Chapter 72 →