bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 70
Psalms 70
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ንኣይ ንምድሓን ተመልከት፤ ኦ ጐይታ፥ ንኣይ ንምርዳእውን ፍጠን።
2
እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋ፥ ይሕፈሩን ይሕሰሩን፤ እቶም ኣብ ልዕለይ ክፉእ ዝመኽሩ፥ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን።
3
እቶም “እንኳዕ፥ እንኳዕ” ዝብሉኒ፥ ሓፊሮም ንድሕሪት ይመለሱ።
4
ኵሎም እቶም ዝደልዩኻ ደስ ይበሎምን ይተሓጐሱን፤ እቶም ምድሓንካ ዝደልዩ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ “ዓብዪ እዩ!” ይበሉ።
5
ኣነ ምስኪንን ድኻን እየ፤ ኦ ጐይታ ርድአኒ፤ ኦ ጐይታ ረዳእየይን፥ መናገፊየይን፥ ንስኻ ኢኻሞ ኣይትደንጒ።
← Chapter 69
Chapter 71 →