bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 69
Psalms 69
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ማይ ክሳዕ ነፍሰይ በፂሑኒ እዩሞ ኣድሕነኒ።
2
ናብ ዓሚቝ ረግረግ ጠለቕኩ፤ መቖሚውን የብለይን፤ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ በፃሕኹ፤ ማዕበልውን ኣስጠመኒ።
3
ብምእዋይ ደኸምኩ፤ ጐረሮይውን ነቐፀ፤ ንኣምላኸይ እናተፀበኹ ኣዒንተይ ፈዘዛ።
4
እቶም ብኸንቱ ዝፀልኡኒ ካብ ፀጕሪ ርእሰይ በዝሑ፤ ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ፀላእተይ በርትዑ፤ ዘይወሰድክዎ ኽምልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።
5
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ስንፍናይ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሓጢኣተይውን ካባኻ ኣይሕባእን።
6
ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቶም ተስፋ ዝገብሩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፤ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፥ እቶም ዝደልዩኻ ብኣይ ኣይሕሰሩ።
7
ምእንታኻ ፀርፊ ተዓጊሰ ኣለኹሞ፥ ንገፀይውን ሕፍረት ጐልበቦ።
8
ነሕዋተይ ከም ባዕዲ፥ ንደቂ እኖይውን ከም ጋሻ ኾንኩ።
9
ቅንዓት ቤትካ በሊዑኒ ኣሎ፤ ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻውን ኣባይ ወደቐ።
10
ንነፍሰይ ብፆም ቀፃዕኽዋ፤ ንፀርፊውን ኮነኒ።
11
ወጮ ተኸደንኩ፤ መመሰሊውን ኮንክዎም።
12
እቶም ኣብ በርታት ዝቕመጡ፥ ብኣይ ይፃወቱ ኣለዉ፤ እቶም ወይኒ ዝሰትዩ ኸዓ ብኣይ ይደርፉ።
13
ኦ ጐይታ ኣነ ግና፥ ብቕብልቲ ጊዜ ፀሎተይ ናባኻ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ብሓቂ ምድሓንካውን መልሰለይ።
14
ከይውሕጠኒ ኻብ ረግረግ ኣውፅአኒ፤ ካብ ፀላእተይን ካብ መዓሙቕ ማያትን ኣናግፈኒ።
15
ማዕበላት ማይ ኣየስጥመኒ፤ ቃላይ ድማ ኣይውሓጠኒ፥ ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኣይዕፆ።
16
ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ሰናይ እዩ እሞ ስምዐኒ፤ ከም ብዝሒ ርህራሄኻ ናባይ ተመልከት።
17
ካብ ባርያኻ ገፅካ ኣይትሰውር፤ ተጨኒቐ ኣለኹሞ፥ ቀልጢፍካ መልሰለይ።
18
ንነፍሰይ ጠምታ፤ ተቤዘዋውን፤ ስለ ፀላእተይውን ኣድሕነኒ።
19
ኦ ጐይታ፥ ፀርፈይን፥ ሕፍረተይን፥ ሓሳረይን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኵሎም እቶም ዘጨንቑኒ ኣብ ቅድሜኻ ኣለዉ።
20
ነፍሰይ ፀርፍን ሓሳርን ተዓገሰት፤ ዘተሓዛዝነኒ ደለኹ፤ ግና ኣይረኸብኩን፤ ዘፀናንዐኒውን ሰኣንኩ።
21
ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፤ ንፅምአይውን መፂፅ ኣስተዩኒ።
22
ማእዶም ኣብ ቅድሚኣቶም፥ ንመፃወድያ ንፍዳ ንዕንቅፋት ትኹኖም።
23
ኣዒንቶም ከይሪኣ ይፀልምታ፤ ዝባናቶምውን ኵልሻዕ ይጕበጥ።
24
መዓትካ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍስስ፤ ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ይርከቦም።
25
መሕደሪኦም በረኻ ይኹን፤ ኣብ ድንኳናቶም ዝነብር ኣይረኸብ።
26
ነቲ ንስኻ ዝቐሰፍካዮ ንሳቶም ኣሳጒጎም እዮምሞ፤ ኣብ ልዕሊ ቝስለይውን ቃንዛ ወሰኹለይ።
27
ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቶም ሓጢኣት ወስኮም፤ ናብ ፅድቅኻውን ኣይእተዉ።
28
ካብ መፅሓፍ ህያዋን ይደምሰሱ፤ ምስ ፃድቃንውን ኣይፀሓፉ።
29
ኣነ ነዳይን ቍሱልን እየ፤ ኦ ጐይታ፥ መድሓኒት ገፅካ ይቀበለኒ።
30
ንስም እግዚኣብሄር ብመዝሙር ከመስግኖ እየ፤ ብምስጋናውን ልዕል ልዕል ከብሎ እየ።
31
እዙይውን፥ ቀርንን ፅፍርን ካብ ዘብቈለ ዝራብዕ ብዝበለፀ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ።
32
ድኻታት ነዙይ ሪኦም ይተሓጐሱ፤ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ህያዋንውን ኩኑ።
33
እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም እዩሞ፤ ነቶም እሱራትውን ኣይንዕቕን እዩሞ።
34
ሰማይን ምድርን ባሕርን፥ ኣብኣ ዝዋሳወስ ኵሉን ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ።
35
እግዚኣብሄር ንፅዮን ከድሕና እዩሞ፤ ከተማታት ይሁዳውን ክሃንፅ እዩሞ፤ ኣብኣ ክነብሩን ክወርስዋን እዮም።
36
ዘርኢ ባሮቱ ኽነብርዋ እዮም፤ ስሙ ዝፈትዉውን ኣብኣ ኽነብሩ እዮም።
← Chapter 68
Chapter 70 →