bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 6
Psalms 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤ ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።
2
ኦ ጐይታ፥ ድዉይ እየሞ፥ መሓረኒ፤ ኣዕፅምተይ ተሃዊኸን እየንሞ፥ ፈውሰኒ።
3
ነፍሰይውን የመና ተሃዊኻ እያ፤ ኦ ጐይታ፥ ንስኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?
4
ኦ ጐይታ፥ ተመለስሞ ንነፍሰይ ኣድሕና፤ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።
5
ብሞት ዝዝክረካ የለን፤ ኣብ ሲኦልከ መን የመስግነካ?
6
ኣነ ብጭንቐተይ ደኺመ ኣለኹ፤ ኵሉ ለይቲ ዓራተይ ሓፀብኩ፤ ንመንፀፈይ ከዓ ብንብዓተይ ኣርሓስኩ።
7
ዓይነይ ካብ ቍጡዕ ንብዓት ዝተልዓለ ተሃወኸት፤ ካብ ኵሎም ፀላእተይ ዝተልዓለ ኣረግኩ።
8
እግዚኣብሄር ንድምፂ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፤ ኣቱም ገበርቲ ዓመፅ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ።
9
እግዚኣብሄር ልመናይ ሰምዐ፤ እግዚኣብሄር ንፀሎተይ ከዓ ተቐበለ።
10
ኵሎም ፀላእተይ ይሕፈሩን ይዋረዱን፤ ንድሕሪት ይመለሱ፤ ቀልጢፎምውን ይሕፈሩ።
← Chapter 5
Chapter 7 →