bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 68
Psalms 68
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ይተስእ፤ ፀላእቱውን ይበተኑ፤ እቶም ዝፀልእዎ ኸዓ ኻብ ገፁ ይህደሙ።
2
ትኪ ኸም ዝበንን፥ ከምኡ ይብነኑ። ሽምዒ፥ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ከምኡውን ሓጥኣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይጥፍኡ።
3
ፃድቃን ግና ይተሓጐሱ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ሓሴት ይግበሩ፤ ብደስታውን ደስ ይበሎም።
4
ንእግዚኣብሄር ተቐነዩ፤ ንስሙውን ዘምሩ፤ ነቲ ናብ ምድረ በዳ ዝወፀውን መንገዲ ግበሩ፤ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ተሓጐሱ፤ ኣብ ቅድሚ ገፁውን ደስ ይበልኩም።
5
እግዚኣብሄር ኣብቲ ቅዱስ ቦታኡ፥ ንደኽታማት ኣቦ፥ ንመበለታት ድማ ዳኛ እዩ።
6
እግዚኣብሄር ነቶም በይንቶም ዝኾኑ ኣብ ስድራ የሕድሮም፤ ንእሱራትውን ብሓይሉ የውፅኦም፤ ዓመፀኛታት ግና ኣብ ምድረ በዳ ይነብሩ።
7
ኦ ጐይታ፥ ቀቅድሚ ህዝብኻ ምስ ወፃእኻ፥ ብምድረ በዳውን ኽትሓልፍ እንተለኻ፥ ምድሪ ተናወፀት፤
8
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሲና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እስራኤል፥ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ።
9
ኦ ጐይታ፥ ዝናም ሞገስ ንርስትኻ ኣዝነምካ፤ ምስ ደኸመውን ንስኻ ኣፅናዕኻዮ።
10
እንስሳትካውን ኣብኡ ይሓድሩ፤ ኦ ጐይታ፥ ብሕያዋይነትካ ንድኻታት ኣዳሎኻሎም።
11
እግዚኣብሄር ቃሉ ሃበ፤ እቶም ዘውርዩ ድማ ብዙሓት ሰራዊት እዮም።
12
ናይ ሰራዊት ነገስታት ቀልጢፎም ይሃድሙ፤ እታ ኣብ ገዛ እትነብርውን ምርኮ ተኻፈለት።
13
ኣብ ማእኸል ርስትታት እንተ ሓደርኩም፥ ካብ ብሩር ከም ዝተሰርሑ ኣኽናፍ ርግቢ፥ ብቘፅሊ ወርቂ ኸም ዝተለበጡ፥ ክንቲታት ኢኹም።
14
ሰማያዊ ንጉስ ኣብ ልዕሊኣ ምስ ኣዘዘ፥ ኣብ ልዕሊ ሰልሞን በረድ ይዘንም።
15
እምባ እግዚኣብሄር ዝለምለመ እምባ እዩ፤ ፅኑዕ እምባን ዝለመለመ እምባን እዩ።
16
እቶም ፅኑዓት እምባታት ንምንታይ ይለዓሉ? ነዝ እምባ እዙይ እግዚኣብሄር መሕደሪኡ ክኸውን ፈተዎ፤ ብሓቂ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብኡ ኽሓድረሉ እዩ።
17
ሰረገላታት እግዚኣብሄር ክልተ እልፊ፥ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዮም፤ ጐይታ ኣብ መቕደሱ ኣብ ሲና፥ ኣብ ማእኸሎም እዩ።
18
ምርኮ ማሪኽካ ናብ ኣርያም ዓረግካ፤ ውህብቶውን ንደቂ ሰብ ሃብካ፤ ኣብኡ ምእንቲ ኽሓድሩስ፥ ንዓመፀኛታትውን ሃብካ።
19
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቡሩኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር በብመዓልቱ ብሩኽ እዩ፤ ኣምላኽ መድሓኒትና ይረድአና።
20
ኣምላኽና ኣምላኽ ምድሓን እዩ፤ ካብ ሞት ምድሓንውን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
21
ግና እግዚኣብሄር ኣራእስ ፀላእቱ ይሰብር፤ ነቲ ብበደሉ ዝመላለስ፥ ጐታን መንበስበስታኡ ኽጭፍልቕ እዩ።
22
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ካብ ባሳን ከምፅኦም እየ፤ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ እውን ክምልሶም እየ፤
23
ኣእጋርካ ኣብ ደም ምእንቲ ኽረግፃ፥ መልሓስ ኣኽላባትካ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ምእንቲ ክኸውን እዩ።
24
ናይ ኣምላኸይ ናይ ንጉስ መንገዲ ኣብ መቕደሱ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ተገለፀ።
25
ኣሕሉቕ ቀደሙ፤ መዘምራንውን ሰዓቡ፤ ከበሮ ዝወቕዓ ደናግል ኣብ ማእኸል ነበራ።
26
ንእግዚኣብሄር ብማሕበር፥ ንጐይታናውን ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ኣመስግንዎ።
27
መንእሰይ ብንያም ብሓይሉ ኣብኡ ኣሎ፤ ገዛእቶም ኣሕሉቕ ይሁዳን፥ ኣሕሉቕ ዛብሎንን፥ ኣሕሉቕ ንፍታሌምን ኣለዉ።
28
ኦ ጐይታ፥ ንሓይልኻ ኣዝዝ፤ ኦ ጐይታ፥ ነቲ ንኣና ዝሰራዕኻዮ ኣፅንዓዮ።
29
ስለ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስካ፥ ነገስታት ንኣኻ ውህብቶ ኸምፅኡ እዮም።
30
ነቶም ኣብ ውሽጢ ሻምበቆ ዘለዉ ኣራዊት፥ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣህዛብ ዘለዉ፥ ማሕበር ኣብዑርን ምራኹትን ገስፆም። እቶም ከም ብሩር ዝተፈተኑ ኣህዛብ ከይዕፀዉ፥ ነቶም ውግእ ዝፈትዉ ኣህዛብ በትኖም።
31
መኳንንቲ ኻብ ግብፂ ኽመፁ እዮም፤ ኢትዮጵያ ኸዓ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ እግዚኣብሄር ክትዝርግሕ እያ።
32
ኵልኻትኩም ነገስታት ምድሪ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ንጐይታውን ዘምሩ።
33
ብወገን ምብራቕ ብዘሎ ሰማይ ኣቢሉ፥ ናብ ሰማየ ሰማያት ንዝዓረገ እግዚኣብሄር ዘምሩ። እንሆ፥ ቃል ሓይሊ ዝኾነ ቓሉ ይህብ ኣሎ።
34
ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃቡ፤ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፥ ሓይሉውን ኣብ ልዕሊ ደበናታት እዩ።
35
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቕዱሳኑ ዘደንቕ እዩ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንህዝቡ ሓይልን ፅንዓትን ይህብ። እግዚኣብሄር ይመስገን።
← Chapter 67
Chapter 69 →