bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 66
Psalms 66
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኵልኹም ኣብ ምድሪ ዘለኹም፥ ንእግዚኣብሄር ዕልል በሉ።
2
ንስሙውን ዘምሩ፤ ንምስጋናኡውን ክብሪ ሃቡ።
3
ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በልዎ፦ ስራሕኻ ግሩም እዩ፤ ሓይልኻ ብዙሕ እንትኸውን ፀላእትኻ ሓሰዉኻ።
4
ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ንኣኻ ኽሰግዱ፤ ንኣኻ ኽዝምሩ፥ ንስምካውን ክዝምሩ እዮም።
5
ንዑ ስራሕ እግዚኣብሄር ረአዩ፤ ካብ ደቂ ሰብ ብምኽሩ የመና ግሩም እዩ።
6
ንባሕሪ ንቑፅ ምድሪ ዝገበራ፥ ንሩባውን በእጋሮም ሰገርዎ፤ ኣብኡ ብእኡ ደስ ይብለና።
7
ብሓይሉ ንዘለኣለም ይገዝእ፤ ኣዒንቱ ድማ ንኣህዛብ ይምልከታ፤ ዓመፀኛታት ንርእሶም ልዕል ልዕል ኣየብሉ።
8
ኣቱም ኣህዛብ፥ ንኣምላኽና ባርኽዎ፤ ድምፂ ምስጋናኡውን ኣስምዑ።
9
ንነፍሰይ ብህይወት የንብራ፤ ነእጋረይውን ንምንዋፅ ኣሕሊፉ ኣይህበንን።
10
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፈተንካና፤ ንብሩር ከም ዝፍትንዎውን ፈተንካና።
11
ናብ መፈንጠር ኣእተኻና፤ ኣብ ዝባንና መከራ ኣንበርካ።
12
ኣብ ኣራእስና ብሰብ ኣርገፅካና፤ ብማእኸል ሓዊን ማይን ኣሕለፍካና፤ ናብ ዕረፍቲ እውን ኣውፃእኻና።
13
ምስ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ መቕደስካ ኽኣቱ እየ።
14
ብጊዜ መከራይ ብኣፈይ ዝተዛረብኩዎ፥ ብኸናፍረይውን ዝበልክዎ መብፅዓይ፥ ንኣኻ ኽፍፅም እየ።
15
ዕጣን ምስ ስቡሓት ኣባጊዕ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝራብዕ ኸቕርበልካ እየ፤ ኣብዑርን ኣጣልንውን ክስውአልካ እየ።
16
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ ዅልኹም፥ እግዚኣብሄር ንነፍሰይ ዝገበረላ ኽነግረኩምስ ንዑ ስምዑኒ።
17
ብኣፈይ ናብኡ ኣእዌኹ፤ ብልሳነይውን ኣመስገንክዎ።
18
ኣብ ልበይ በደል ሪአ እንተ ዝኸውን፥ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዐንን ነይሩ።
19
ስለዙይ እግዚኣብሄር ሰምዐኒ፤ ናብ ድምፂ ልመናይ ድማ ኣድመፀ።
20
እቲ ንፀሎተይ ዘይከልአኒ፥ ምሕረቱውን ካባይ ዘየርሓቐ እግዚኣብሄር ይመስገን።
← Chapter 65
Chapter 67 →