bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 65
Psalms 65
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ኣብ ፅዮን ምስጋና ንኣኻ ይግባእ፤ ንኣኻውን ፀሎት ክቐርብ እዩ።
2
ኵሉ ሰብ፥ ፀሎት ናብ እትሰምዕ ናባኻ ይመፅእ።
3
ነገር ዓመፅቲ ሓየለና፤ ሓጢኣትናስ ንስኻ ይቕረ ትብለልና ኢኻ።
4
ንስኻ ዝመረፅካዮ፥ ኣብ ኣደባባይካውን ክሓድር ዝተቐበልካዮ ብፁእ እዩ፤ ካብ ቤትካ በረኸት ክንፀግብ ኢና።
5
ቤተ መቕደስካ ቅዱስ እዩ፤ ብፅድቅውን ዘደንቕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ወሰን ምድርን ኣብ ውሽጢ ርሑቕ ባሕርን፥ ንዘለዉ ዅሎም ተስፋኦም ዝኾንካ፥ ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስምዐና።
6
ንእምባታት ብሓይልኻ ኣፅናዕኻዮም፤ ሓይሊውን ተዓጠቕካ።
7
ንመዓሙቕ ባሕርን ንድምፂ ማዕበሉን ተናውፅ ኢኻ።
8
ካብ ተኣምራትካ ዝተልዓለ ኣህዛብ ይድንግፁ፤ ኣብ ወሰን ምድሪ ዝነብሩውን ይፈርሑ፤ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን መውፅኢ ድማ ተሐጕሶም።
9
ንምድሪ ተመልከትካያ፤ ኣርወኻያውን፤ ንሃብታውን የመና ኣብዛሕኻዮ፤ ፈለግ እግዚኣብሄር ማይ ዝመልአ እዩ፤ ከምኡ ተዳልዎ ኢኻሞ፥ ምግቦም ትህቦም።
10
ንትልምታታ ተርውዮ፤ ነዝመራኣውን ትሰርዖ፤ ብነጠብጣብ ተለስልሳ፤ ንበቝላውን ትባርኾ።
11
ነታ ዓመት ብሕያዋይነትካ ትኽልላ፤ ምድረ በዳውን ኣውሊ ኽፀግብ እዩ።
12
እምባታት ምድረ በዳውን ክረውዩ እዮም፤ ኰረብታታትውን ብሓጐስ ይዕጠቑ።
13
ሜዳታት ብመጓሰ ተመልኡ፤ ለሰታት ድማ ብእኽሊ ተሸፈኑ፤ ብሓጐስ ዕልል ይብሉን ይዝምሩን።
← Chapter 64
Chapter 66 →