bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 64
Psalms 64
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኽ፥ ናባኻ ዝለመንኩዎ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ንፀላኢ ኻብ ምፍራሕ፥ ንነፍሰይ ኣድሕና።
2
ካብ ሻራ ኽፉኣትን፥ ካብ ብዝሒ ገበርቲ ዓመፅን ሰውረኒ።
3
ንሳቶም መሪር ነገር ንምግባር፥ መልሓሶም ከም ሰይፊ ኣብልሑ፤
4
ንንፁህውን ብስውር ንምውጋእ ቀስቶም ገተሩ፤ ድንገት ይነድፍዎ፤ ኣይፈርሑንውን።
5
ንኣኣቶም ንባዕላቶም ክፉእ ነገር ኣፅንዑ፤ ሕቡእ መፃወድያ ኸፃውዱ ተማኸሩ፤ “መንከ ይሪአና” ድማ ይብሉ።
6
ንዓመፃ ደለዩ፤ እናፈተኑውን ሃለቑ፤ ናይ ሰብ ሓሳቡን ልቡን ዓሚቝ እዩ!
7
እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ይብል፤ ድንገትውን ብፍላፃ ይቘስሉ።
8
ኣንደበቶም ድማ የሰናኽሎም፤ ኵሎም ዝርኢዎምውን ይድንግፁ።
9
ኵሎም ሰባትውን ፈርሑ፤ ግብሪ እግዚኣብሄር ድማ ተናገሩ፤ ስራሑውን ኣስተውዓሉ።
10
ፃድቕ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ፤ ብእኡ ኸዓ ይእመን፤ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ዕልል ክብሉ እዮም።
← Chapter 63
Chapter 65 →