bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 63
Psalms 63
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ናባኻ እግስግስ ኣለኹ፤ ነፍሰይ ንኣኻ ፀምአት፤ ዕንፀይትን ማይን ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ፥ ስጋይ ንኣኻ ከመይ ናፈቐት።
2
ከምኡውን ሓይልኻን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፥ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ተመልከትኩኻ።
3
ምሕረትካ ኻብ ህይወት ይበልፅ እዩሞ፥ ከናፍረይ የመስግናኻ።
4
ከምኡ ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ኸመስግነካ እየ፤ ብስምካውን ኣእዳወይ ከልዕል እየ።
5
ነፍሰይ ብጠስምን ብስብሕን ከም ዝፀግቡ ኽትፀግብ እያ፤ ከናፍረይ ብደስታ ንስምካ የመስግና።
6
ኣብ ምድቃሰይ እዝክረካ ኣለኹ፤ ኣንጊሀውን እናገረልካ ኣለኹ።
7
ረዳእየይ ኴንኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣለኹ።
8
ነፍሰይ ደድሕሬኻ ተኸተለት፤ ነኣይውን የማነይትኻ ተቐበለትኒ።
9
ንሳቶም ግና ንነፍሰይ ንኸንቱ ደለይዋ፤ ናብ መዓሙቕ ምድሪ ኽወርዱ እዮም።
10
ኣብ ኢድ ሰይፊ ይወሃቡ፤ ግደ ወኻሩትውን ይኾኑ።
11
ንጉስ ግና ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ እዩ፤ ኵሉ ብእኡ ዝምሕል ክኸብር እዩ፤ ኵሉ ሓሰት ዝናገር ኣፍ ግና ክዕበስ እዩሞ።
← Chapter 62
Chapter 64 →