bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 62
Psalms 62
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር እትግዛእዶ ኣይኮነትን? ምድሓነይ ካብኡ እዩሞ።
2
ኣምላኸይን መድሓኒተይንውን ንሱ እዩሞ፤ ንሱ መፀግዕየይ እዩ፤ ፈፂመ ኣይናወፅን እየ።
3
ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ኣብ ልዕሊ ሰብ እትቖሙ? ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ከም ዝዘንበለ መንደቕ፥ ከም ዝፈረሰ ቕፅሪ ትቐትሉ።
4
ግና ንኽብረይ ክስዕሩ መኸሩ፤ ሓሰትውን ፈተዉ፤ ብኣፎም ይምርቑ፤ ብልቦም ይረግሙ።
5
ግና ኦ ነፍሰይ፥ ንስኺ ንእግዚኣብሄር ተገዝኢ፤ ተስፋይ ካብኡ እያሞ።
6
ንሱ ኣምላኸይን መድሓኒተይን እዩሞ፤ ዕርደይ ንሱ እዩ፤ ፈፂመ ኣይህወኽን እየ።
7
ምድሓነይን ክብረይን ብእግዚኣብሄር እዩ፤ ኣምላኽ ረድኤተይን፥ ተስፋይንውን እግዚኣብሄር እዩ።
8
ኵልኻትኩም ማሕበር ህዝቢ፥ ብእኡ ተኣመኑ፤ ልብኹምውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ።
9
ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።
10
ንዓመፅ ተስፋ ኣይትግበሩ፤ ብዘመተውን ኣይትተኣማመኑ፤ ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኹም ኣይተዓበ።
11
እግዚኣብሄር ሓደሻዕ ተናገረ፤ ኣነውን ነዙይ ጥራሕ ሰማዕኹ፤ ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
12
ኦ ጐይታ፥ ምሕረትውን ናትካ እዩ፤ ንስኻ ንዅሉ ኸም ግብሩ ኽትፈድዮ ኢኻሞ።
← Chapter 61
Chapter 63 →