bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 61
Psalms 61
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኽ፥ ልመናይ ስማዕ፤ ፀሎተይውን ኣድምፅ።
2
ልበይ ተስፋ ምስ ቈረፀ፥ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ እምኒ ልዕል ልዕል ኣበልካኒ።
3
ኣብ ቅድሚ ፀላኢ፥ ፅኑዕ ግንቢ፥ ተስፋይውን ኴንካኒ ኢኻሞ መራሕኻኒ።
4
ኣብ ድንኳንካ ንዘለኣለም ክነብር እየ፤ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካውን ክኽወል እየ።
5
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብፅዓይ ሰሚዕኻ ኢኻሞ፤ ስምካ ንዝፈርሑ ርስቲ ሃብካዮም።
6
ንንጉስ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ፥ መዓልቲ ትውስኸሉ፤ ዘመኑውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ይኸውን።
7
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነብር፤ ክሕልዋኦ ምሕረትካን ሓቅኻን ኣዳልወሉ።
8
ከምኡ ንስምካ ንዘለኣለም ክዝምር እየ፤ እዙይውን መብፅዓይ ምእንቲ ኽፍፅም እዩ።
← Chapter 60
Chapter 62 →