bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 60
Psalms 60
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ደርበኻና፤ ኣፍረስካናውን፤ ተቘጣዕኻና፤ ይቕረውን በልካና።
2
ንምድሪ ኣናወፅካያ፤ ሃወኽካያውን፤ ተናዊፃ እያሞ ቝስላ ፈውስ።
3
ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርአኻዮም፤ ዘደንግፅ ወይኒ እውን ኣስተኻና።
4
ካብ ፍላፃ ፀላኢ ምእንቲ ኸምልጡ፥ ነቶም ዝፈርሑኻ ምልክት ሃብካዮም።
5
እቶም ፈተውትኻ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ብየማንካ ኣድሕን፤ ስምዐኒውን።
6
እግዚኣብሄር ብቕድስናኡ ተናገረ፤ “ደስ እናበለኒ፥ ንሴኬም ክማቐል እየ፤ ንለሰ ሱኮትውን ብመለክዒ ኽልክዖ እየ።
7
ገለዓድ ናተይ እዩ፤ ምናሴውን ናተይ እዩ፤ ኤፍሬም መፀግዒ ርእሰይ እዩ፤ ይሁዳውን ንጉሰይ እዩ።
8
ሞኣብ መሕፀብየይ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ሳእነይ ክዝርግሕ እየ፤ ፍልስጥኤም ክግዝኡለይ እዮም።”
9
ናብታ ፅንዕቲ ኸተማ መን ይወስደኒ? ናብ ኤዶምያስከ መን ይመርሐኒ?
10
ኦ ጐይታ፥ ዝደርበካና ንስኻዶ ኣይኮንካን? ኦ ኣምላኽ፥ ምስ ሰራዊትናውን ኣይትወፅእን ኢኻ!
11
ብመከራና ረድኤት ሃበና፤ ምድሓን ሰብውን ከንቱ እዩ።
12
ብእግዚኣብሄር ሓይሊ ንገብር፤ ንሱውን ንዘጨንቑና ኸዋርዶም እዩሞ።
← Chapter 59
Chapter 61 →