bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 59
Psalms 59
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ፀላእተይ ኣድሕነኒ፤ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝተስኡውን ኣናግፈኒ።
2
ካብ ገበርቲ ኽፉእ ኣድሕነኒ፤ ካብ ናይ ደም ሰባት ኣድሕነኒ።
3
እንሆ፥ ንነፍሰይ ይሃድንዋ ኣለዉ፤ ሓያላትውን ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ኦ ጐይታ፥ ብበደለይ ኣይኮነን፤ ብሓጢኣተይውን ኣይኮነን።
4
ብዘይ በደል ጐየኹ፤ ተዳለኹውን፤ ተስእ፤ ተቐበለኒ፤ ረአውን።
5
ንስኻውን ኦ ጐይታ፥ ኣምላኽ ሓያላት፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዅሎም ኣህዛብ ክትምልከቶም ተልዓል፤ ዓመፅ ንዝገብሩ ዅሎም ኣይትምሓሮም።
6
ምሸት ይመለሱ፤ ከም ኣኽላባት ድማ ይጥመዩ፤ ኣብ ከተማ ኸዓ ይዙሩ።
7
እንሆ ብኣፋቶም ኣስሚዖም ይናገሩ ኣለዉ፤ ሰይፊ ኣብ ከንፈሮም ኣሎ፤ “መንከ ኸይሰምዐና?” ድማ ይብሉ።
8
ንስኻ ግና ኦ ጐይታ ትስሕቆም፤ ንዅሎም ኣህዛብውን ትንዕቖም።
9
እግዚኣብሄር መፀግዕየይ እዩሞ፥ ንሓይለይ ናባኻ ኣዕቝቦ ኣለኹ።
10
ሕያዋይነት ኣምላኸይ ይርከበኒ፤ ኣምላኸይ፥ ኣብ ፀላእተይ የርእየኒ።
11
ሕግኻ ኸይርስዑስ ኣይትቕተሎም፤ ኦ ዋልታይ፥ ብሓይልኻ በትኖምን ኣውርዶምን።
12
ስለ ሓጢኣት ኣፎም ስለ ቓል ከንፈሮም መርገምን ሓሰትን ስለ ዝናገሩ፥ ብትዕቢቶም ይፃወዱ።
13
ብቝጥዓኻ ኣጥፍኣዮም፤ ከም ዘይርከቡ ጌርካ ድማ ኣጥፍኣዮም፤ ኣምላኽ ያእቆብውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኸም ዝገዝእ ይፍለጡ።
14
ምሸት ይመለሱ፤ ከም ኣኽላባትውን ይጥመዩ፤ ኣብ ከተማውን ይዙሩ።
15
ንሳቶም ዝብላዕ ደልዮም ይዙሩ፤ እንተ ዘይፀገቡ ድማ የጕረምርሙ።
16
ኣነ ግና ስለ ሓይልኻ ኽዝምር እየ፤ ብምሕረትካውን ንጉሆ ደስ ይብለኒ፤ ብመዓልቲ መከራይ መፀግዕየይን እምባይን ኴንካኒ ኢኻሞ።
17
ኦ ኣምላኸይ፥ ንስኻ መፀግዕየይን ምሕረተይን ኢኻሞ፥ ኦ ረዳእየይ፥ ንኣኻ ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።
← Chapter 58
Chapter 60 →