bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 5
Psalms 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ንቓለይ ኣድምፅ፤ ንጥርዓነይውን ኣስተብህል።
2
ኦ ንጉሰይን ኣምላኸይን፥ ናባኻ እፅሊ ኣለኹ እሞ፥ ንቓል ኣውያተይ ኣድምፅ።
3
ኦ ጐይታ፥ ብጊሓት ድምፀይ ክትሰምዕ ኢኻ፤ ኣንጊሀ ኣብ ቅድሜኻ ኽቐውም እየ፤ ክፅበውን እየ።
4
ንስኻ ኽፍኣት ዘይትፈቱ ኣምላኽ ኢኻ፤ ክፉእ ድማ ምሳኻ ኣይሓድርን እዩ።
5
ብኸንቱ ዝምክሑ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይነብሩን፤ ንዅሎም ገበርቲ ዓመፅ ፀላእኻ።
6
ኦ ጐይታ፥ ሓሰት ንዝዛረቡ ተጥፍኦም፤ እግዚኣብሄር ንደም ዘፍስስን ንመታለሊን ይፅየፍ።
7
ኣነ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ናብ ቤትካ ኽኣቱ እየ፤ ንኣኻ ብምፍራሕ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ እሰግድ ኣለኹ።
8
ኦ ጐይታ፥ ምእንቲ ፀላእተይ ብፅድቅኻ ምርሐኒ፤ መንገደይውን ኣብ ቅድሜኻ ኣቕንዐለይ።
9
ኣብ ኣንደበቶም ሓቂ የለን፤ ልቦምውን ከንቱ እዩ፤ ጐሮሮኦም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብመልሓሶምውን ይጥብሩ።
10
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኾንኖም፤ ንሳቶም ኣብቲ ዝኣለምዎ ምኽሪ ይውደቑ፤ ከም ብዝሒ በደሎም ኣሳጕጎም፤ ኣብ ልዕሌኻ ዓሚፆም እዮም እሞ።
11
ኵሎም ብኣኻ ዝእመኑ ግና ክሕጐሱ እዮም፤ ንዘለኣለም ደስ ክብሎም እዩ፤ ንኣኣቶምውን ክትሕሉ ኢኻ፤ ኵሎም ንስምካ ዘፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ክምክሑ እዮም።
12
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንፃድቕ ትባርኾ፤ ኦ ጐይታ፥ ከም ዋልታ ብሞገስ ከለልካና።
← Chapter 4
Chapter 6 →