bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 58
Psalms 58
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብሓቂ ፅድቂ እንተትናገሩስ፥ ኣቱም ደቂ ሰብ ብቕንዕና ትፈርዱዶ?
2
ብልብኹም ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹምሞ፤ በእዳውኩምውን ኣብ ምድሪ ዓመፅ ትፍሕሱ ኣለኹምሞ።
3
ሓጥኣን ካብ ማህፀን ጀሚሮም ተፈለዩ፤ ካብ ከብዲ ጀሚሮምውን ሰሓቱ፤ ሓሰትውን ተናገሩ።
4
ቍጥዓኦም ከም መርዚ ተመን እዩ፤ ከም ኣራዊት ምድሪ እዝና ዝፀመመ እዩ።
5
ፈላጥ እንትደግመላ፥ ቃል ኣስማተኛ ኸም ዘይትሰምዕ ኣራዊት ምድሪ እዮም።
6
እግዚኣብሄር ነስናኖም ኣብ ውሽጢ ኣፎም ይሰብር፤ እግዚኣብሄር ናይ ኣናብስ መንጋጋ የድቅቕ።
7
ከም ዝውሕዝ ማይ ክመኩ እዮም፤ ክሳዕ ዘድክሞም ፍላፃታቱ ይግትር።
8
ከምቲ ዝመክኽ ሽምዒ ኽሃልቁ እዮም፤ ከምቲ ቝላዕ ሰበይቲ ፀሓይ ኣይርኣዩ።
9
ዕሾኽኩም እንተይተፈልጠ በትሪ ኾነ፤ ህያዋን እንተለኹም፥ ብመዓቱ ኽምንጥለኩም እዩ።
10
ፃድቕ ምፍዳይ ሕነ ሪኡ ይሕጐስ፤ ብደም እቲ ሓጢኣተኛውን ኢዱ ይሕፀብ።
11
ሰብውን፦ “ብሓቂ ንፃድቕ ፍረ ኣለዎ፤ ኣብ ምድሪ፥ ብሓቂ ዝፈርድ ኣምላኽ ኣሎ” ይብል።
← Chapter 57
Chapter 59 →