bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 57
Psalms 57
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መሓረኒ፤ ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ነፍሰይ ኣባኻ ተኣሚና ኣላሞ፥ መሃረኒ፤ እቲ መዓት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ተኣሚነ ኣለኹ።
2
ናብቲ ዝረድአኒ እግዚኣብሄር፥ ናብ ልዑል እግዚኣብሄር አእዊ ኣለኹ።
3
ካብ ሰማይ ልኢኹ ኣድሓነኒ፤ ነቶም ዝረገፁኒ ውርደት ሃቦም፤ እግዚኣብሄር ምሕረቱን ሓቁን ለኣኸ።
4
ንነፍሰይ ካብ ማእኸል ኣናብስ ኣድሓና፤ ደንጊፀ ደቀስኩ፤ ደቂ ሰብ ኣስናኖም ኲናትን ፍላፃን፥ ኣንደበቶምውን ዝተስሓለ ሰይፊ እዩ።
5
ኦ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ልዕል ልዕል በል፤ ክብርኻውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
6
ነእጋረይ መፃወድያ ዘርግሑ፤ ንነፍሰይውን ኣጕበጥዋ፤ ኣብ ቅድሚተይ ጕድጓድ ኰዓቱ፤ ግና ባዕልቶም ኣብኡ ወደቑ።
7
ልበይ ጨካን እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ልበይ ጨካን እዩ፤ ክቕነን ክዝምርን እየ።
8
ክብረይ ይለዓል፤ በገናን መሰንቆንውን ይለዓሉ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ኽትስእ እየ።
9
ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤ ኣብ ማእኸል ወገናትውን ክዝምረልካ እየ።
10
ምሕረትካ ኽሳዕ ሰማያት ልዕል ኢሉ እዩሞ፤ ሓቅኻውን ክሳዕ ደመናት እዩሞ።
11
ኦ ኣምላኽ፥ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል በል፤ ክብርኻውን ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።
← Chapter 56
Chapter 58 →