bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 56
Psalms 56
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ ሰብ ረጊፁኒ እዩሞ መሓረኒ፤ ኵልሻዕውን ብሰልፊ ኣጨኒቑኒ እዩ።
2
ዝዋግኡኒ በዚሖም እዮም እሞ፥ ኵልሻዕ ምሉእ መዓልቲ ረገፁኒ።
3
ኣነ ግና ፈራሕኹ ብኣኻውን ተኣመንኩ።
4
ብእግዚኣብሄር ንቓሉ አመስግኖ፤ ብእግዚኣብሄር ተኣሚነ እየ፤ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?
5
ኵልሻዕ ንቓላተይ የፀይፉለይ፤ ኵሉ ኣብ ልዕለይ ዝመኽርዎ ንኽፉእ እዩ።
6
የድብዩለይ፤ ይሕብኡኒውን፤ ንሳቶም ንሸዀናይ ይምልከቱ፤ ኵልሻዕውን ንነፍሰይ የድብዩላ።
7
ብዝኾነ ይኹን ኣይተድሕኖም፤ ብቝጥዓኻ ንኣህዛብ ክትድርብዮም ኢኻ።
8
ኦ ኣምላኽ፥ ንህይወተይ ነገርኩኻ፤ ንንብዓተይ ከም ትእዛዝካ ኣብ ቅድሜኻ ኣቐመጥካ።
9
ምስ ፀዋዕኩኻ ፀላእተይ ናብ ድሕሪኦም ክምለሱ እዮም፤ በዙይውን ንስኻ ኣምላኸይ ከም ዝኾንካ ፈለጥኩ።
10
ብእግዚኣብሄር ንቓሉ አመስግን፤ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኣኽብር።
11
ብእግዚኣብሄር ተኣሚነ ኣለኹ፤ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?
12
ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ ዝህበካ ናይ ምስጋና መብፅዓ ኣለኒ፤ ዘቕርበልካውን ናይ ምስጋና መስዋእቲ እዩ።
13
ብብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽመላለስ፥ ንነፍሰይ ካብ ሞት፥ ነእጋረይ ካብ ምስንኻል ኣድሒንካ ኢኻሞ።
← Chapter 55
Chapter 57 →