bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 55
Psalms 55
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ንምህለላይውን ሸለል ኣይትበል።
2
ተመልከተኒ፤ ስምዐኒውን፤ ብሓዘነይ ተሃዊኸ ኣለኹ፤ ተናዊፀውን ኣለኹ።
3
ካብ ድምፂ ፀላእየይን፥ ካብ ግፍዒ ዓመፀኛን ዝተልዓለ፥ ንዓመፅ ኣብ ልዕለይ ደርብዮምለይ እዮምሞ፤ ብቝጥዓውን ፀሊኦምኒ ኣለዉ።
4
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀኒ፤ ድንጋፀ ሞትውን ወደቐኒ።
5
ፍርሓትን ራዕድን መፁኒ፤ ፀልማትውን ሸፈነኒ።
6
በሪረ ኽዓርፍስ፥ ከም ርግቢ ኽንፊ መን ምሃበኒ? እንሆ ዀብሊለ ምረሓቕኩ፤ ኣብ በረኻውን ምተቐመጥኩ ነይረ።
8
ካብ ኣውሎ ንፋስን መሸምቦባን ሃዲመ ምፈጠንኩ ነይረ።
9
ኦ ጐይታ፥ ኣብታ ኸተማ ግፍዕን ባእስን እርኢ ኣለኹ እሞ፥ ኣስጥሞም፤ ንመላሕሶምውን ቍረፅ።
10
ንሳቶም ለይትን መዓልትን ቅፅሪ እታ ኸተማ ይኸብዋ፤ ዓመፅ፥ ድኻም፥ ሓጢኣትውን ኣብ ውሽጣ ኣሎ።
11
ተንኰልን ጥበራን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቑን።
12
ፀላኢ እንተ ዝፀርፈኒ ምተዓገስክዎ፤ ዝፀልአኒውን ንባዕሉ ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል እንተ ዘብል፥ ካብኡ ምተሓባእኹ ነይረ።
13
ንስኻ ግና ማንዛይ፥ ዓርከይን ናይ ልቢ ፈታዊየይን ነበርካ፤
14
መብልዕ ምሳይ ሓቢርካ ዘጠዓዓምካ፥ ብሓደ ልቢ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተመላለስና።
15
ሞት ይምፅኣዮም፤ ብህይወት እንተለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ፤ ክፍኣት ኣብ መሕደሪኦምን ኣብ ማእኸሎምን እዩሞ።
16
ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ እግዚኣብሄርውን ሰምዐኒ።
17
ምሸትን ጊሓትን ቀትርን እቝዝም፤ እህህውን እብል ኣለኹ፤ ንሱውን ድምፀይ ይሰምዐኒ።
18
ኣብ ልዕለይ ብዙሓት ነበሩሞ፥ ካብ ዝቐርቡኒ፥ ንነፍሰይ ብሰላም ኣድሕና።
19
ቤዛ የብሎምንሞ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈርሕዎንሞ፥ ካብ ጥንቲ ዝነበረ እግዚኣብሄር ሰሚዑ የዋርዶም።
20
ነቶም ምስኡ ብሰላም ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኢዱ ዘርግሐ፤ ንኺዳኑውን ኣርከሳ።
21
ዘረባኡ ኻብ ጠስሚ ለዘበ፤ ኣብ ልቡ ግና ዂናት ኣሎ፤ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ለስለሱ፤ ንሳቶም ግና ኸም ዝተመዘዘ ሰይፊ እዮም።
22
ትካዘካ ኣብ እግዚኣብሄር ደርቢ፤ ንሱውን ኽድግፈካ እዩ፤ ነቲ ፃድቕ ንዘለኣለም ሁከት ኣይህቦን።
23
ንስኻ ግና፥ ኦ ጐይታ፥ ናብ ጕድጓድ ሞት ተውርዶም ኢኻ፤ ናይ ደም ሰባትን ጠበርትን ፍርቂ ዕድመኣቶም ኣይነብሩሉን፤ ኣነ ግና ኣባኻ እእመን ኣለኹ።
← Chapter 54
Chapter 56 →