bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 53
Psalms 53
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰነፍ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል። ረኸሱ፤ ብበደሎም ድማ ሓሰሩ፤ ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን።
2
ዘስተውዕል፥ ንእግዚኣብሄርውን ዝደሊ እንተ ሃልዩ ኽርኢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ተመልከተ።
3
ኵላቶም በደሉ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ረኸሱ፤ ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን፤ ሓደኳ የለን።
4
ንህዝበይ እንጀራ ኸም ዝበልዕ ዝበልዑ፥ ኵሎም ገበርቲ ግፍዒ ኣይፈልጡንዶ? ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን።
5
እግዚኣብሄር ነዕፅምቲ እቶም ግብዛት በቲኑ እዩሞ፥ ኣብኡ ዘፍርሕ እንተይሃለወ የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ንዒቑዎም እዩ እሞ፥ ኣሕፈርካዮም።
6
መድሓኒት ካብ ፅዮን ንእስራኤል መን ምሃበ! እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ፥ ያእቆብ ደስ ክብሎ፤ እስራኤልውን ክሕጐስ እዩ።
← Chapter 52
Chapter 54 →