bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 52
Psalms 52
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣታ ሓያል፥ ስለ ምንታይ ብኽፉእ እትምካሕ? ንምንታይከ ዅልሻዕ እትዕምፅ?
2
ኣንደበትካ ሓጢኣት ይሓስብ፤ ከም ዝተስሓለ መላፀ ጥበራ ገበርካ።
3
ካብ ፅቡቕ ንኽፍኣት፥ ፅድቂ ኻብ ምዝራብውን ንዓመፅ ፈተኻ።
4
ንዅሉ ዘጥፍእ ቃልን፥ መልሓስ ጥበራን ፈተኻ።
5
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንሓዋሩ ኸፍርሰካ እዩ፤ ካብ ቤትካውን ክነቕለካ፥ ከፍልሰካውን እዩ፤ ሱርካውን ካብ ምድሪ ህያዋን ክነቕል እዩ።
6
ፃድቃን ነዙይ ሪኦም ክፈርሑ እዮም፤ ብእኡ እናሰሓቑውን ከምዙይ ይብሉ፦
7
“ንእግዚኣብሄር ሓጋዚኡ ዘይገበረ ኣብ ብዝሒ ሃብቱ ዝተኣመነ፥ ብኸንቱ ነገር ዝበርትዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ እንሆ።”
8
ኣነስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝለምለመ፥ ከም ኦም ኣውሊዕ እየ፤ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ፥ ንዓለምን ንዘለኣለምን ተኣሚነ ኣለኹ።
9
ጌርካለይ ኢኻሞ፥ ንዘለኣለም ከመስግነካ እየ፤ ኣብ ቅዱሳንካ ሰናይ እዩሞ፥ ንስምካ ተስፋ ኽገብር እየ።
← Chapter 51
Chapter 53 →