bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 51
Psalms 51
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ከም መጠን ሕያዋይነትካ መሓረኒ፤ ከም ብዝሒ ምሕረትካ ኸዓ ምትሕልላፈይ ደምስስ።
2
ካብ በደለይ ፈፂምካ ሕፀበኒ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ኣፅርየኒ።
3
ኣነ ምትሕልላፈይ እፈልጥ ኣለኹሞ፤ ሓጢኣተይውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩሞ።
4
ብነገርካ ኽትፀድቕ፥ ብፍርድኻውን ንፁህ ክትከውን፥ ኣነ ንኣኻ ጥራሕ በደልኩ፤ ኣብ ቅድሜኻውን ክፉእ ገበርኩ።
5
እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ፤ እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ።
6
እንሆ፥ ንሓቂ ፈተኻ፤ ዘይረአ ስውር ጥበብ ኣፍለጥካኒ።
7
ብስምዕዛ ንፀገኒ ኽነፅህ ድማ እየ፤ ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ።
8
ደስታን ሓጐስን ኣስምዐኒ፤ ዝሰበርካዮም ኣዕፅምተይ ደስ ይበሎም።
9
ካብ ሓጢኣተይ ገፅካ መልስ፤ ንዅሉ በደለይውን ደምስሰለይ።
10
ኦ ጐይታ፥ ንፁህ ልቢ ፍጠረለይ፤ ቅኑዕ መንፈስ ከዓ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ።
11
ካብ ገፅካ ኣይትደርብየኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን ካባይ ኣይትውሰደለይ።
12
ሓጐስ ምድሓንካ መሊስካ ሃበኒ፤ ብቕኑዕ መንፈስውን ደግፈኒ።
13
ሽዑ መንገድኻ ንጠሓስቲ ሕጊ ኽምህር እየ፤ ሓጢኣተኛታት ድማ ናባኻ ኽምለሱ እዮም።
14
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ካብ ደም ኣናግፈኒ፤ ኣንደበተይውን ብፅድቅኻ ኽትሕጐስ እያ።
15
ኦ ጐይታ! ኸናፍረይ ክፈት፤ ኣፈይውን ምስጋናኻ ኽነግር እዩ።
16
መስዋእቲ እንተ እትፈቱስ መቕረብኩልካ ነይረ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣየሐጕሰካን እዩ።
17
መስዋእቲ እግዚኣብሄር ዝተሰብረ መንፈስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንዝተሰብረን ንዝተዋረደን ልቢ ኣይንዕቕን እዩ።
18
ኦ ጐይታ፥ ንፅዮን ብፀጋኻ ኣፀባብቃ፤ ቅፅሪ ኢየሩሳሌምውን ንደቕ።
19
ሽዑ ብናይ ፅድቂ መስዋእትን፥ ብመባእን ብዝቃፀል መስዋእትን፥ ብምሉእ መስዋእትን ደስ ክብላካ እዩ። ሽዑ ኣብ መሰዊኢኻ ዝራብዓት ክስውኡልካ እዮም።
← Chapter 50
Chapter 52 →