bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 50
Psalms 50
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ እግዚኣብሄር ተናገረ፤ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መዕረቢኣ፥ ንምድሪ ፀውዓ።
2
ካብ ፅባቐ ኽብሩ ኻብ ፅዮን፥ እግዚኣብሄር ብገሃድ ክመፅእ እዩ።
3
ኣምላኽና ኽመፅእ እዩ፤ ስቕውን ኣይብልን፤ ኣብ ቅድሜኡ ዝቃፀል ሓዊ ኣሎ፤ ኣብ ዙርያኡውን ብዙሕ ኣውሎ ኣሎ።
4
ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማይን፥ ምድሪ እውን ብህዝቡ ንምፍራድ ክፅውዕ እዩ።
5
ነቶም ንመስዋእቲ ኺዳን ምሳይ ዝቖሙ ቕዱሳነይ ኣክቡለይ።
6
ሰማያት ፅድቁ ክናገሩ እዮም፤ እግዚኣብሄር ፈራዳይ እዩሞ።
7
ህዝበይ፥ ስማዕ ክነግረካ፤ እስራኤልውን ስምዐኒ፥ ክምስክረልካ፤ ኣምላኽስ ኣነ ኣምላኽካ እየ።
8
ስለ መስዋእትኻ ዝዘልፈካ ኣይኮንኩን፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእትኻ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ።
9
ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፥ ካብ ደምቤኻውን ዲበላታት ኣይወስድን።
10
ኵሎም እንስሳ በረኻን፥ ኣብ ኣሽሓት እምባታት ዘለዉ እንስሳትውን ናተይ እዮምሞ።
11
ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ እፈልጠን እየ፤ ኣብ ምድረ በዳ ዘለዉ ኣራዊትውን ኣባይ እዮም።
12
ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ እዩሞ፥ እንተ ዝጠሚውን ንኣኻ ኣይነግረካን።
13
ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ እየ? ደም ዲበላታትከ እሰቲ ድየ?
14
ንኣምላኽ፥ መስዋእቲ ምስጋና ሰውእ፤ ንልዑልውን መብፅዓኻ ሃብ።
15
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
16
ንሓጥእ ግና ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎ፥ ስለ ምንታይ ንስኻ ሕገይ ትናገር? ኪዳነይከ ብኣፍካ ንምንታይ ትዛረብ?
17
ንስኻስ ተግሳፀይ ፀላእኻ፤ ንቓላተይውን ንድሕሬኻ ደርበኻዮ።
18
ሰራቂ እንተ ረአኻ ምስኡ ትጐዪ፤ ዕድልካውን ምስ ኣመንዝራታት ገበርካ።
19
ኣፍካ ኽፍኣት ኣብዝሐ፤ ኣንደበትካውን ጥበራ ተነጐ።
20
ተቐሚጥካ ንሓውካ ሓመኻዮ፤ ንወዲ እኖኻውን ዕንቅፋት ኣቐመጥካ።
21
እዝ ዅሉ ጌርካ ኣነ ስቕ በልኩኻ፤ ኣነ ከማኻ ከም ዝኾንኩ ጠርጠርካ? ኣነ ክግስፀካ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክቐውም እየ።
22
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትርስዑ፥ ነዙይ ኣስተውዕሉ፤ እንተ ዘይኮይኑ ኽነጥቕ እዩ፥ ዘድሕንውን የለን።
23
መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ምድሓን፥ ንእኡ ዘርእየሉ መንገዲ ኣብኡ ኣሎ።
← Chapter 49
Chapter 51 →