bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 49
Psalms 49
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩውን፥ ኵልኻትኩም ፅን በሉ፤
2
ትሕት ዝበልኩምን ልዕል ዝበልኩምን፥ ሃብታማትን ድኻታትን፥ ሓቢርኩም ፅን በሉ።
3
ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ፤ ሓሳባት ልበይ ከዓ ምስትውዓል ይህብ።
4
እዝነይ ናብ ምስላ ኣዘንብል፤ ንምስጢረይ ከዓ ብበገና እገልፅ።
5
ሓጢኣት ሸዀናይ ምስ ከበበኒ፥ ብኽፉእ መዓልቲ ንምንታይ ዝፈርሕ?
6
እቶም ብሓይሎም ዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሃብቶም ከዓ ዝምክሑ፥
7
ሓው ንሓዉ ኣየድሕንን፤ ሰብውን ኣየድሕንን። ቤዛኡውን ንእግዚኣብሄር ኣይህብን፤
8
ንዘለኣለም ክነብር፥ ንጥፍኣትውን ከይርኢ፥ ቤዛ ነፍሳቶም ክቡር እዩሞ፥ ንዘለኣለምውን ተሪፉ እዩሞ።
10
ለባማት ከም ዝሞቱ፥ ከምኡውን ሰነፋትን ደናቝርን ብሓባር ከም ዝጠፍኡ፥ ገንዘባቶምውን ንኻልኦት ከም ዝሓድጉ ሪኡ እዩ።
11
ብልቦም፥ ገዛኣቶም ንዘለኣለም ዝነብር፥ መሕደሪኦምውን ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን ይመስሎም፤ በብሃገሮም ስማቶም ይፅዋዕ።
12
ሰብ ግና ኽቡር እንተሎ ኣይፈልጥን፤ ከም ዝጠፍኡ እንስሳታት መሰለ።
13
እዛ መንገዳቶም መዐንቀፊቶም እያ፤ እቶም ብድሕሪኦም ዝመፁውን ብኣፎም ይድግፍዎ።
14
ከም ኣባጊዕ ናብ ሲኦል ዝኸዱ እዮም፤ ጓሳኦምውን ሞት እዩ። እቶም ቅኑዓት ንጉሆ ክገዝእዎም እዮም፤ ፅባቐኦምውን ካብ መንበሪኦም ተፈልያ፥ ኣብ ሲኦል ትበሊ።
15
ንኣይ ግና እግዚኣብሄር ክቕበለኒ እዩሞ፤ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ክቢዘዋ እዩ።
16
ሰብ እንተ ሃብተመ፥ ክብሪ ቤቱውን እንተ በዝሐ ኣይትፍርሓዮ።
17
ምስ ሞተ፥ ምስኡ ዝወስዶ ነገር የለንሞ፤ ክብሩውን ምስኡ ናብ መቓብር ኣይወርድን እዩሞ።
18
ሰብ ብህይወቱ እንተሎ ንነፍሱ ባሪኹ እዩሞ፥ ንሰብነቱ ፅቡቕ እንተ ገበርካሉ የመስግነካ።
19
ግና ናብ ትውልዲ ኣቦታቱ ይወርድ፤ ንዘለኣለም ብርሃን ኣይርእን።
20
ኣእምሮ ዘይብሉ ኽቡር ሰብ፥ ነተን ዝጠፍኣ እንስሳት መሰለ።
← Chapter 48
Chapter 50 →