bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 4
Psalms 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኽ ፅድቀይ፥ ክፅውዕ እንተለኹ መለሰለይ፤ ብጭንቀተይውን ኣስፋሕኻለይ፤ መሓረኒ፤ ፀሎተይውን ሰምዐኒ።
2
ኣቱም ደቂ ሰብ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ልብኹም እተኽብዱ? ክሳዕ መኣዝ ኢኹምከ ኸንቱ ነገር እትፈትዉን ንሓሰት እትደልዩን?
3
እግዚኣብሄር ብፃድቑ ኸም ዝተገለፀ ፍለጡ፤ እግዚኣብሄር ናብኡ እንትጠርዕ ይሰምዐኒ እዩ።
4
ተቘጥኡ፥ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ መደቀሲኹም እንተለኹም ድማ ብልብኹም መርምሩ፤ ህድእውን በሉ።
5
መስዋእቲ ፅድቂ ሰውኡ፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ተኣመኑ።
6
“ንሰናይ መን እዩ ዘርእየና? ዝብሉ ብዙሓት እዮም፤ ኦ ጐይታ፥ ብርሃን ገፅካ ኣብ ልዕሌና ተፈለጠ።”
7
ኣብ ልበይ ታሕጓስ ኣሕደርካ፤ ካብ ፍረ ስርናይን ወይንን ዘይትንውን እምብዛ በዝሐ።
8
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብእምነት እተሕድረኒ እሞ፥ እህርስን ብሰላም እድቅስን ኣለኹ።
← Chapter 3
Chapter 5 →