bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 44
Psalms 44
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ በእዛንና ሰማዕና፤ ኣቦታትናውን፥ እቲ ብዘመኖም፥ ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና።
2
ኢድካ ንኣህዛብ ኣጥፍአቶም፤ ንኣኣቶም ድማ ተኸልካ፤ ንኣህዛብ ኣሳቐኻዮም፤ ኣሳጐጕካዮምውን።
3
ፈቲኻዮም ኢኻሞ፥ የማናይ ኢድካን ብርሃን ገፅካን እዩ እምበር፥ ብሰይፎም ንምድሪ ኣይወረሱን፤ ቅልፅሞምውን ኣየድሓኖምን፤
4
ኣምላኸይን ንጉሰይን ንስኻ ኢኻ፤ ንያእቆብ መድሓኒት ኣዝዝ።
5
ብኣኻ ንፀላእትና ኽንወግኦም ኢና፤ ብስምካውን ኣብ ልዕሌና ንዝቖሙ ነዋርዶም።
6
ብቐስተይ ዝእመን ኣይኮንኩንሞ፤ ሰይፈይውን ኣየድሕነንን እዩሞ።
7
ንስኻ ግና ኻብ ፀላእትና ኣድሓንካና፤ ነቶም ዝፀልኡናውን ኣሕፈርካዮም።
8
ስለዙይ ዅሉ መዓልቲ ብእግዚኣብሄር ንኸብር፤ ንስምካውን ንዘለኣለም ነመስግን።
9
ሕዚ ግና ፀላእኻናን ኣሕፈርካናን፤ ምስ ሰራዊትናውን ኣይትወፅእን።
10
ካብ ቅድሚ ፀላእትና ንድሕሪት መለስካና፤ እቶም ዝፀልኡናውን ተማናጠሉና።
11
ከም ኣባጊዕ ክበልዑና ኣሕሊፍካ ሃብካና፤ ናብ ኣህዛብ ድማ በተንካና።
12
ንህዝብኻ ብዘይ ዋጋ ሃብካ፤ ብምልዋጦምውን ረብሓ የለን።
13
ንጐረባብትና መፃረፊ፥ ኣብ ዙርያና ንዝነብሩ ኸዓ መስሓቕን መላገፂኦምን ገበርካና።
14
ኣብ ኣህዛብ መመሰሊ፥ ኣብ ህዝብታት ድማ መነቕነቒ ርእሲ ገበርካና።
15
ኵልሻዕ ውርደተይ ኣብ ቅድመይ እዩ፤ ካብ ቃል ዝፃረፍን ካብ ዘላግፅን ዝተልዓለ፥ ካብ ዝኸብብ ፀላኢውን ዝተልዓለ፥ ሕፍረት ገፀይ ሸፈነኒ።
17
እዝ ኵሉ ኣብ ልዕሌና በፅሐ፥ ግና ኣይረሳዕናካን፤ ንኺዳንካውን ኣይዓመፅናን።
18
ልብና ንድሕሪት ኣይተመለሰን፤ ኣሰርናውን ካብ መንገድኻ ኣይወፀን።
19
ኣብ ክፉእ ስፍራ ኣዋሪድካና ኢኻሞ፤ ብፅላል ሞትውን ሰዊርካና ኢኻሞ።
20
ስም ኣምላኽና፥ ረሲዕና እንተ ንኸውንስ፥ ኣእዳውናውን ናብ ካልእ ኣምላኽ ኣልዒልና እንተንኸውንስ፥
21
እግዚኣብሄር ነዙይዶ ኣይምርምሮን ነይሩ? ንሱ ልቢ ዝሰወሮ ይፈልጥ እዩሞ።
22
ንሕና ግና ምእንታኻ ዅልሻዕ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ኮንና።
23
ኦ ጐይታ! ተበራበር፤ ንምንታይከ ትድቅስ? ተስእ! ንሓዋሩውን ኣይትደርብየና!
24
ንምንታይከ ገፅካ እትስውር? ንመከራናን ጭንቕናንከ ንምንታይ ትርስዕ?
25
ነፍስና ኣብ ምድሪ ሓሲራ እያሞ፥ ከብድናውን ናብ ምድሪ ተጣቢቓ እያሞ።
26
ኦ ጐይታ ተስእሞ ርድአና፤ ስለ ስምካ ተቤዘወና።
← Chapter 43
Chapter 45 →