bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 43
Psalms 43
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ኣምላኽ፥ ፍረደለይ፤ ካብ ፅድቂ ኻብ ዝረሓቑ ህዝቢ እውን ክርክረይ ተኸራኸር፤ ካብ ጠባሪን ዓማፅን ሰብ ኣድሕነኒ።
2
ኣታ ኣምላኸይን ሓይለይን፥ ስለ ምንታይ ትሓድገኒ? ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ?
3
ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፤ ንሳተን ይምርሓኒ፤ ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፥ ናብታ መሕደሪኻን የብፅሓኒ።
4
ናብ መሰውኢ እግዚኣብሄር፥ ንጕብዝናይ ናብ ዘሐጕሳ ናብ ኣምላኸይ ክኣቱ እየ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ብበገና ኸመስግነካ እየ።
5
ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።
← Chapter 42
Chapter 44 →