bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 40
Psalms 40
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ተዓጊሰ ንእግዚኣብሄር ደገ ፀናዕኽዎ፤ ንሱውን ናባይ ምልስ ኢሉ ኣውያተይ ሰምዐ።
2
ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት፥ ካብቲ ረግረግ ፀብሪ ድማ ኣውፅአኒ፤ ነእጋረይ ኣብ ኰዅሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣፅንዖ።
3
ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ናብ ኣፈይ ወሰኸ፤ ብዙሓት ክሪኡ፥ ክፈርሑውን እዮም፤ ብእግዚኣብሄርውን ክእመኑ እዮም።
4
እቲ ንእግዚኣብሄር ዝእመን፥ ናብ ትዕቢተኛን ናብ ሓሳዊን ዘይጠመተ ሰብ ብፁእ እዩ።
5
ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን፤ እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
6
መስዋእትን ቍርባንን ኣይፈተኻን፤ ስጋ ኣዳለኻለይ፤ ዝቃፀልን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይትደልን ኢኻ።
7
ሽዑ ኣነ “እንሆ፥ መፃእኹ” በልኩ፤ ብዛዕባይ ኣብ ርእሲ መፅሓፍ ተፅሒፉ ኣሎ።
8
ኦ ኣምላኸይ፥ ፍቓድካ ንምግባር ፈተኹ፤ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ።
9
ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ፅድቅኻ ነገርኩ፤ እንሆ፥ ንኸናፍረይ ኣይክልክልን፤ ኦ ጐይታ ንስኻ ፅድቀይ ትፈልጥ ኢኻ።
10
ንሓቅኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሓባእኽዎን፤ ምድሓንካንውን ተናገርኩ፤ ምሕረትካን ሓቅኻን ኣብቲ ዓብዪ ጉባኤ ኣይሰወርኩን።
11
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ምሕረትካ ኻባይ ኣይተርሕቕ፤ ምሕረትካን ሓቅኻን ኵልሻዕ ይሓልዋኒ።
12
ቍፅሪ ዘይብሉ መከራ ረኺቡኒ እዩሞ፥ ሓጢኣታተይ ሓዙኒ፤ ምርኣይውን ሰኣንኩ፤ ካብ ፀጕሪ ርእሰይውን በዝሑ፤ ልበይ ከዓ ጠለመኒ።
13
ኦ ጐይታ፥ ክተድሕነኒ ፍቐድ፤ ኦ ጐይታ፥ ንምርዳአይ ፍጠን።
14
እቶም ንነፍሰይ ከጥፍእዋ ዝደልዩ ይሕፈሩ፤ ሓቢሮምውን ይዋረዱ፤ እቶም ክፍኣት ክገብሩ ዝፈትዉ፥ ንድሕሪት ይመለሱን ሓቢሮም ይዋረዱን።
15
እቶም “እሰይ፥ እሰይ” ዝብሉኒ፥ ውርደቶም ሽዑ ይፈደዩ።
16
ኦ ጐይታ ንኣኻ ዝደልዩ ዅሎም፥ ብኣኻ ደስ ይበሎም፤ ይተሓጐሱውን፤ እቶም ኵልሻዕ ምድሓንካ ዝፈትዉ፥ ኵልሻዕ “እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ” ይበሉ።
17
ኣነ ፅጉምን ምስኪንን እየ፤ ጐይታ ግና ይሓስበለይ እዩ፤ ንስኻ ረዳእየይን መድሓኒየይን ኢኻ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ኣይትደንጒ።
← Chapter 39
Chapter 41 →